ሃይዲ ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ መራኸቢታት
ዓቃባዊ ጥምረት
እዚ ሰነድ ሃይዲ[1] ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዓቃባዊ ጥምረት ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣባላትን መሳርሕትን፡ ብውልቆም ይኹን ንዓቃባዊ ጥምረት ወኪሎም ዝኾነ ዓይነት ርክባትን ልዝባትን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክገብሩ ከለው በዚ ሃይዲ ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዓቃባዊ ጥምረት ተቐይዶም ክገብርዎ ይግባእ።
እዚ ሃይዲ ካብ ዝወጸሉ መዓልቲ ጀሚሩ ግብራዊ ከምዝኸዉን እዳኣፍለጠ፡ ዓቃባዊ ጥምረት ውሽጣዊ መቆጻጸርን መከላኸልን ብምግባር ንርክባትን ልዝባትን ኣባላቱን መሳርሕቱን ክቆጻጸርን ክከላኸልን ሕጋውን ሕልናውን ሓላፍነት ከምዘለዎ ይሕብር።
ጥርዓናትን ስምዕታን ዝቕበል፣ ዘጻርይ፣ ዝመምይን ናይ መወዳእታን ቀያድን ውሳነ ዝህብን ሰለስተ ዝኣባላቱ ሽማገለ ቁጽጽር ስነምግባር ቆይሙ ምህላዉ የፍልጥ። ጥርዓናትን ስምዕታን ድማ በዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ናብ ሽማገለ ሃይዲ ዓቃባዊ ጥምረት ምልኣኽ ይከኣል።
ሽማገለ ቁጽጽር ስነምግበር፡
ኣገዳስነት ሃይዲ ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዓቃባዊ ጥምረት በዞምም ዝስዕቡ ሰለስተ ምኽንያታት ይግለጽ።
- ኣባላት፣ መማኽርቲ፣ መሳርሕትን ከምኡ እዉን ካልኦት ውልቀሰባትን ምጥርናፋትን ብዝኾነ መልክዑ በደልን ዘለፋን ከይወርዶም ብምክልኻል።
- ብኣባላት፣ መማኽርቲ፣ መሳርሕትን ተደናገጽትን ዓቃባዊ ጥምረት ክንጸባርቕ ዝግብኦ እሩም ስነምግባር ብምንጻር።
- ኣብ ልዕሊ ኣባላት፣ መማኽርቲ፣ መሳርሕትን ተደናገጽትን ክወርዱ ንዝኽእሉ ጠቐነታትን ምውንጃላትን ብምጉዳል።
ትሒቶም ተዘርዚሮም ዘለዉ ሃይድታት ዓቃባዊ ጥምረት መንፈሱን ዝጠሓሰ ኣባል፣ መሳርሕቲ፣ መማኽርቲ፣ ተደናጋጽን መሻርክትን ድማ፡ ብመሰረት ስዒቦም ዝቐርቡ መግቲእታት ብሽማገለ ቁጽጽር ስነምግባር መቕጻዕቲ ይብየነሉ። ናብ ኣባል ሽማገለ ቁጽጽር ስነምግባር ዘተኮረ እንትዀይኑ ድማ ብማእከላይ ሽማገለ ዓቃባዊ ጥምረት ይውሰን።
- ንመጀመርያ ግዜ ዝጠሓሰ፡ ብጽኑዕ መጠንቀቕታትን ምኽርን ይሕለፍ።
- ንካልኣይ ግዜ ዝጠሓሰ፡ ካብ ኩሉ መራኸቢታትን ልዝባትን ዓቃባዊ ጥምረት ንሓደ ወርሒ ይእገድ። ንዓቃባዊ ጥምረትን መሳርሕትን ወኪሉ ዝኾነ ዓይነት ርክባትን ልዝባትን ንኸይገብር ድማ ንሓደ ወርሒ ይኽልከል።
- ንሳልሳይ ግዜ ዝጠሓሰ፡ ካብ ኩሉ መራኸቢታትን ልዝባትን ዓቃባዊ ጥምረት ንሰለስተ ኣዋርሕ ይእገድ። ንዓቃባዊ ጥምረትን መሳርሕትን ወኪሉ ዝኾነ ዓይነት ርክባትን ልዝባትን ንኸይገብር ድማ ንሰለስተ ኣዋርሕ ይኽልከል።
- ራብዓይ ግዜ ዝጠሓሰ፡ ካብ ኩሉ መራኸቢታትን ልዝባትን ዓቃባዊ ጥምረት ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ይእገድ። ንዓቃባዊ ጥምረትን መሳርሕትን ወኪሉ ዝኾነ ዓይነት ርክባትን ልዝባትን ንኸይገብር ድማ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ይኽልከል።
- ካብ ኣርባዕተ ግዜ ንላዕሊ ዝጠሓሰ፡ ካብ ኩሉ መራኸቢታትን ልዝባትን ዓቃባዊ ጥምረት ንሓዋሩ ይእገድ። ንዓቃባዊ ጥምረትን መሳርሕትን ወኪሉ ዝኾነ ዓይነት ርክባትን ልዝባትን ንኸይገብር ድማ ንሓዋሩ ይኽልከል።
- ብገበን ዘሕትት በደል ንዘይፈጸመ፡ ዝጸንሖ ኣባልነት፣ መዝነትን ዝምድናን ምስ ዓቃባዊ ጥምረት ኣይትንከፍን።
- ብገበን ዘሕትት በደል ንዝፈጸመ፡ ዝጸንሖ ኣባልነት፣ መዝነትን ዝምድናን ምስ ዓቃባዊ ጥምረት ብመሰረት ዓንድታት ዓቃባዊ ጥምረት ናይ መወዳእታን ቀያድን ውሳነ ይወሃቦ።
ሃይድታት ማሕበራዊ መራኸቢታት ዓቃባዊ ጥምረት፦
- ኣባላትን መሳርሕትን ዓቃባዊ ጥምረት ኣብ ልዕሊ ውልቀሰባት ኰነ ምጥርናፋት ክብረትን ትሕትናን ክህልዎም የገድድ። እዚ ንኹሉ ዓይነት እንኮላይ ብኣካል ንዝግበሩ ርክባት ይምልከት።
- ኣባላትን መሳርሕትን ዓቃባዊ ጥምረት ንውልቀሰባት ኰነ ምጥርናፋት ብዝኾነ መልኽዑ ክዝልፉ፣ክሸዱ፣ ክድህሉ፣ ክህድዱ፣ ከነኣእሱ ከጸልሙ፣ ክውንጅሉን ክጸርፉን ኣይፈቅድን።
- ኣባላትን መሳርሕትን ዓቃባዊ ጥምረት ንውልቀሰባት ኰነ ምጥርናፋት ክፍክሩ፣ ከፈራርሑ፣ ብጽዩፍ ቃላት ክዛረቡን ከጕቧዕብዑን ይኽልክል።
- ኣባላትን መሳርሕትን ዓቃባዊ ጥምረት ንውልቀሰባት ኰነ ምጥርናፋት ብመትከላዊ እምነትቶምን ሃይማኖትምን ክንጽልዎምን ከጓንይዎምን ኣይፈቅድን።
- ኣባላትን መሳርሕትን ዓቃባዊ ጥምረት ንውልቀሰባት ኰነ ምጥርናፋት ብደረጃ ፍልጠቶም፣ ድሕረባይትኦምን ክእለቶምን ክንዕቅዎም፣ ክንጽልዎምን ከጓንይዎምን ኣይፈቅድን።
- ኣባላትን መሳርሕትን ዓቃባዊ ጥምረት ምስ ውልቀሰባት ኰነ ምጥርናፋት ክህልዉ ዝኽእሉ ናይ ሓሳብን ኣሰራርሓን ፍልልያት ክቕበሉ፣ ከኽብሩን፡ ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ ብእሩም ኣገባብን ኣኽብሮትን፡ ክምጕቱን የገድድ።
- ኣባላትን መሳርሕትን ዓቃባዊ ጥምረት ምስ ውልቀሰባት ኰነ ምጥርናፋት ዝገብርዎም ተረርትን ነቀፌታውያን ምጕታት ኣብ ሓሳብን ኣሰራርሓን ዘተኰሩ ደኣ እንበር ኣብ ልዕሊ ውልቀሰባት ኰነ ጥርናፈታት ዝወርዱ መጥቓዕታት ክዀኑ ኣይፈቅድን። ብካልኦት ናብ ውልቅና ኰነ ውድብ ንዝውርወሩ ጽያፋት ግብረ መልሲ ምሃብ እውን ኣይፈቅድን።
- ኣባላትን መሳርሕትን ዓቃባዊ ጥምረት ንውልቀሰባት ኰነ ምጥርናፋት ስሞምን ምስሎምን ቀይሮም ከናሽዉ፣ ክሸዱ፣ ክድህሉ፣ ክህድዱ፣ ከነኣእሱ፣ ክጸርፉን ክዝልፉን ኣይፈቅድን።
- ኣባላትን መሳርሕትን ዓቃባዊ ጥምረት ንውልቀሰባት ኰነ ምጥርናፋት ዘናሽዉ፣ ዝጸርፉ፣ ዝድህሉ፣ ዝህድዱ፣ ዝዝልፉን ዘነኣእሱን ብኻልኦት ዝተጻሕፉን ዝተጠቅዑ መልእኽትታትን ክመሓላልፉ፣ ከውዓዉዑን ከዙሩን ኣይፈቅድን።
- ኣባላትን መሳርሕትን ዓቃባዊ ጥምረት ንውልቀሰባት ኰነ ምጥርናፋት ደጋጊሞም ንዘነኣእሱ፣ ዝሸዱ፣ ዝድህሉ፣ ዝህድዱ፣ ዘናሽዉ፣ ዝጸርፉን ዝዝልፉን ውልቀሰባት ኰኑ መራኸቢታት ክከታተልዎምን መልእኽትታቶም ከመሓላልፉን ኣይፈቅድን።
- ኣባላትን መሳርሕትን ዓቃባዊ ጥምረት በደል፣ ምንእኣስ፣ ሽዳ፣ ታህዲድ፣ ዘለፋን ጸርፍን ንዝወረዶም ውልቀሰባት ኰኑ ምጥርናፋት ኣብ ጎኖም ንክዀኑን ንክከላኸሉሎምን ሓላፍነት የሰክም።
- ኣባላትን መሳርሕትን ዓቃባዊ ጥምረት ኣብ ልዕሊ ውልቀሰባት ኰነ ምጥርናፋት በደል፣ ምንሻው፣ ሽዳ፣ ታህዲድ፣ ጸርፍን ዘለፋን ንዘውርዱ፡ ከምኡ ካብ ምግባር ንክቑጠቡ ክምዕዱን ክመኽሩን የተባብዕ።
- ኣባላትን መሳርሕትን ዓቃባዊ ጥምረት ንውልቀሰባት ኰነ ምጥርናፋት ዘይቅቡል መልእኽቲ ካብ ምልኣኽን ምትሕልላፉን ክቑጠቡ የገድድ።
ዓቃባዊ ጥምረት
10 ሰነ 2020
[1]መቐየዲ ወይ መኸልከሊ ይትርጐም።