ቁጠባዊ መሰረት ኤርትራ እንታይ እዩ፧ ምስ በዓልመንን ብኸመይን በዚጉዳይ ኤርትራ ክትመሓዞ ይግባእ፧
ቀንድን ዝዓበየን ምንጪ ቁጠባ ኤርትራ ሰብኣዊ ዓቅማ ሙዃኑ ኣብ ግብሪ ዝተረኣየ ስለዝኾነ ንሕጂ ብዙሕ ምግላጽ ዘድልዮ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ጥራይ እንተርኢና ኤርትራውያን ኣውፈርትን ተወፋሮን ኣብ ዝተፈላልያ ሃገራት፡ ብፍላይ ኣብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን፡ ዘመዝገብዎ ዝምስገን ኣበርክቶ ዕዙዝ ምስክር ስለዝኾነ። ካልእ ኤርትራውያን ብውሽጣዊ ዓቅሞም ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣካይዶም ልኣላውንት ሃገሮም ምውሓሶም ተወሳኺ መርኣያ ብቕዓት ዓቕሚ ኤርትራውያን ከም መርትዖ ክጥቀስ ይከኣል። ሰብኣዊ ዓቅሚ ርእሱ ዝኸኣለ ሰፊሕ ዓውዲ’ኳ እንተኾነ ምስ መባእታዊ ስነቁጠባን ማሕበረሰባዊ ክብርታትን ኣዛሚድካ እንታይ ከምዝመስል ምርኣዩ ሓጋዝን ልዑል ኣገዳስነትን ስለዘለዎ፡ ንዝያዳ ርድኢት ኣብነታት ኣሰኒና ክንርእዮ ክንፍትን ኢና።
ብመባእታዊ ስነቁጠባ ኣገላልጻ፡ ምንጪ ቁጠባ ሓንቲ ሃገር ኣብ ሰብኣዊ ዓቅሚ፣ ውህሉል ሃብትን ተፈጥሮኣዊ ሃብትን ተጠቓሊሉ ክግለጽ ይከኣል። ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ካብ ዝሕረስ መሬትን ዝስተ ማይን ጀሚርካ ክሳብ ዕደናታት ጥረ ነገራት፣ ክቡር ዕንቁታትን ነዳድን የጠቃልል። ውህሉል ሃብቲ፡ ሰባት ብጻዕሮም ንዘፍረይዎም ኩሎም ዓይነት ሃብቲ የጠቃልል። ሰባት ዘፍረይዎ እኩብ ሃብቲ ኣብ መመስርሒ ትካላት፣ ዓብይቲ ናውትን ህንጻታትን ኣዋፊሮምም ዘካዕብትዎ ሃብቲ ከም ዘይንቀሳቐስ ውህሉል ሃብቲ ክግለጽ ከሎ። ሰባት ብጥረ ገንዘብ ኣብ ኢዶም ዝሓዝዎ ሃብቲ ከም ተንቀሳቃሲ ውህሉል ሃብቲ ይግለጽ።
ሰብኣዊ ዓቅሚ፡ ዝበዝሕ ግዜ ንተራ ጉልበትን ፍልጠትን ሰባት ጥራይ ከም ዘጠቃልል’ዩ ዝግለጽ። እዚ ኣገላልጻ ንሰብኣዊ ዓቅሚ ከም ምንጪ ቁጥባ ኣካታዒ ይገብሮ። ምኽንያቱ ፍልጠትን ጉልበትን ስብኣዊ ዓቕሚ ናይ ገለ ሃገራት ብተዛማዲ ተመሳሳሊ ክንሱ ደረጃ ቁጠባዊ ዕቤተን ግን ኣዝዩ ገፊሕ ጋግ ከምዘለዎ ብቐሊሉ ክትዕዘብ ስለዘየጸግም። ትሕዝቶ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ዝፈጠሮ ፍልልይ ከይከውን ትብለሉ’ውን ኣይኮነን።
ንኣብነት ቻይናን ህንድን ኣዛሚድና እንተረኣና፡ ክልቲኤን ሃገራት ብሰብኣዊ ዓቕመን ተመሳሰልቲ ክኾና ከለዋ፡ ብትሕዝቶ ተፈጥሮኣዊ ህብቲ’ውን ብዙሕ ፍልልይ ዘለወን ኣይኮናን። ክፍለ ዓለማዊ መቓምጦ እዘን ክልተ ሃገራት እንተርኢና’ውን ተመሳሳሊ’ዩ። እዘን ክልተ ሃገራት ቅድሚ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝነበረን ደረጃ ቀጠባዊ ምዕባለ ኣዝዩ ዝተቐራረበ ምንባሩ ብብዙሓት ተመራመርቲ ስነቁጠባ ብተደጋጋሚ ዝተገለጸ ስለዝኾነ ክውንነታዊ ምንጽጻር ንምግባር ሓጋዚ ይገብሮ። ነዘን ክልተ ሃገራት ንቅድሚት ሓሊፍና ህሉው ደረጃ ቁጠባዊ ምዕባሌአን ምስ እንርኢ፡ ተፈጢሩ ዘሎ ገፊሕ ቀጠባዊ ጋግ ንምግማቱ ኣጸጋሚ ኣይመስለንን። ክልተ ኣዝዩ ተመሳሳሊ ትሕዝቶን ደረጃን ዝነበረን ሃገርት፡ ስለምንታይ’ዩ ብራኸ ዕብየተን ዝተፈላለየ ኮይኑ ንዝብል ሰፊሕ ሕቶ፡ ኣጽቢብና ካብ ኣርእስትና ከይወጻና ብዓይኒ ማሕበረሰባዊ ክብርታት እንታይ ከምዝመስል ገምጋም ምግባር ከድልየና’ዩ። ይኹን ደኣ’በር ኣሃዛዊ ገምጋም ክንገብር ዘኽእለና ውዱዕ ዝተቐመረ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ዛጊት ዝለዘይቀረበ፡ ዝስዕብ ገመጋም መረዳእታና ዘስፍሕ ኣፈናዊ ጥራይ ሙዃኑ ምዝካር እየሊ።
መንቀሊ ፍልልይ ዕቤት ቻይናን ህንድን ጽልዋ ስርዓተ ክብርታት ዘስዓቦ ፍልልይ ክኸውን’ዶ ይኽእል፧ ከምኡ እንተኾይኑ ልክዕ ከምቶም ካልኦት ደረኽቲ ቁጠባዊ ዕቤት፡ ዓቐን ጽልዋ ስርዓተ ክብርታት ኣብ ቁጠባዊ ብራኸ ብኸመይ ክግለጽ ይከኣል ዝብል ካልእ ዓቢ ሕቶ ክቕምርዎ ዝፈተኑ ተመራመርቲ ሒደት ኣይኮኑን። ገና ሓባራዊ መረዳእታ ዝተበጽሓሉ ዓውዲ’ውን ኣይኮነን። ይኹን ደኣንበር ጽልዋ ስርዓተ ክብርታት ኣብ ቁጠባዊ ዕቤት ወሳኒ ሙዃኑ ዘሟጉት ከምዘይኮነ ዘርኢ ርጡብ ኣመት ኣሎ። እዚ ማለት ፍልልያት ደረጃ ቁጠባዊ ምዕባለ ሃገራት ብስርዓተ ክብርታት ጥራይ’ዩ ዝግለጽ ማለት ኣይኮንን። ምኽንያቱ ተመሳሳሊ ስርዓተ ክብርታት ሃልዩ፡ ብሰንኪ ግዳማዊ ጽልዋ ዘይንቡር ፍልልይ ደረጃ ዕቤት ክህሉ ሓድሽ ተርእዮ ስለዘይኮነ። ንኣብነት ደረጃ ቁጠባዊ ዕቤት ሰሜንን ደቡብን ኮርያ እንተርኢና ተራ ግዳማዊ ጽልዋ ቀሊል ከምዘይኮነ ምዕዛብ ይከኣል። ስለዚ ግዳማዊ ጽልዋታት ከም ውሁብ ወሲድና ነዛምድ ከምዘልና ከዘኻኽር እፈቱ።
ኣብ ምንጽጻር ክብርታት ቻይናን ህንድን ተመልሲና ምስ እንርኢ። ሓደ ካብቶም ወሰንቲ መዐቀኒ ስርዓተ ክብርታት ማሕበረሰብ ንውልቀሰባት ዝህቦ ኣፍልጦን ክብረትን’ዩ። ብመንጽር ቻይናን ህንድን ክንርእዮ ምስ እንፍትን፡ ኣብ ማሕበረሰብ ቻይና ውልቀሰባት ብጻዕሮም ዕብየትን ማሕበራዊ ክብረትን ንኽረኽቡ ዘተባብዕ ክኸውን ከሎ፡ ብኣንጻሩ ማሕበረሰብ ህንዲ ዕብየትን ማህበራዊ ክብረትን ብትውልዲ እንተዘይኮይኑ ውልቀሰባት ብዝገብርዎ ጻዕርን ኣበርክቶን ክኸውን ኣየፍቅድን። ከም ናይ ህንዲ ዓይነት ኣቃውማ ዘለዎም ማሕበረሰባት ንቁጠባዊ ዕቤት ዘተባብዕ ዘይሙዃኑ ምርዳእ ኣየጸግምን። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጻዕርን ኣበርክቶን ውልቀሰባት ዓቢ ክብሪ ስለዘለዎ ምስ ንቁጠባዊ ዕቤት ዘተባብዑ ማሕበረሰብ ክስራዕ ይከኣል።
ተወሰኽቲ መዐቀኒታት ስርዓተ ክብርታት ከም ምእዝዙነት፣ እሙን ሙዃን፣ ኣኽብሮት ምሃብን እምነት ምህላውን ምስ እንርእይ፡ ብዙሓት ተመራመርቲ ከምዚኦም ዓይነት ክብርታት ንቁጠባዊ ዕቤት ብኣሉታ ከምዝጸልዉዎ እዮም ዝሟገቱ። እዚ ስነመጎት ካብ ናይ 18 ክፍለ ዘመን ዝተረኣየ ቁጠባዊ ዕብየት ምዕራብ ኤውሮጳ ዝነቐለ’ዩ። ምዕራብ ኤውሮጳውያን ቅልጡፍ ቁጠባዊ ዕቤት ከምጽኡ ዝኸኣሉ ቅድሚ ዕብየቶም ዝነበሮም ክብርታት ስለዝደርብዩን ሓደስቲ ክብርታት ምእዙዝ ዘይሙዃን፣ ጠላም ሙዃን፣ ክብሪ ዘይምሃብ እምነት ዘይምህላውን ስለዘስረጹ’ዩ ዝብል ስነመጎት ክትቕበሎ ዝከኣል ኣይኮነን። ምኽንያቱ ቁጠባዊ ዕቤት ድዩ ለውጢ ኣብ ስርዓተ ክብርታት ዘምጽእ ወይስ ስርዓተ ክብርታት እዩም ቁጠባዊ ዕብየት ዝድርኹ ንዝብል ሕቶ ሓጺር መልሲ ክተቕርበሉ ስለዝኸብድ። ቁጠባዊ ዕብየትን ስርዓተ ክብርታትን ከምዝጸላለው ግን ዝኸሓድ ኣይኮነን።
ከምዚ ይኹን ደኣ’ንበር፡ ምዕራብ ኤውሮጳ ቅልጡፍ ቁጠባዊ ዕቤት ከምጽኡ ዝደረኾም ስርዓተ ክብርታት ምእዙዝነት፣ እሙን ሙዃን፣ ኽብሪ ምሃብ እምነት ምህላውን ከምዝነበረ ብዙሕ ቅርስታት ኣብ ባይታ ስለዘሎ ምጉት ዘድልዮ ኣይኮነን። ንኣብነት መሰረት እምነት ምዕራብ ኤውሮጳ ፈጺሙ ካብ ግዜ ንግስነት ሮማ ጀሚሩ ከይተቐየረ’ዩ ዝቕጽል ዘሎ። ምዕራብ ኤውሮጳውያን፡ እምነት መሰረት ዝገበረ ስርዓተ ክብርታቶም ምስቀየሩ እዮም ቅልጡፍ ቁጠባዊ ዕቤት ኣርእዮም ዝብል ብማክስ ወበር ተመራማሪ ስነማሕበረስብ ዝቐረበ ስነመጎት ክትቅበሎ ኣሸጋሪ’ዩ። ብኣንጻሩ ስርዓተ ክብርታት ምዕራብ ኤውሮጳ ምስ ምምጻእ ቅልጡፍ ቁጠባዊ ዕቤት እንዳተበለለ ክመጽእ ከምዝጸንሐ ማሕበረስብ እተን ሃገራት ባዕሎም ዝእመኑሉ ሓቒ ስለዝኾነ ዘካትዕ ክኸውን ኣይክእልን። ገና መስርሕ ምብላል ኣብ ቅድሚ ዓይንና ይቕጽል ምህላዉ’ውን ተወሳኺ መመሳኸሪ’ዩ። ከም’ቲ ስርዓተ ክብርታት ክህነጹ ነዊሕ ዘመናት ዘድልዮም ክብለሉ’ውን ክንድቲ ክህነጹ ከለዉ ዝወሰዶ ዘመናት ወይ ካብኡ ንላዕሊ ከምዘድልዮም ብዙሕት ተመራመርቲ ይሰማምዑ። ዝሰረጹ ልማዳት ብቐሊኢሉ ኣይገድፉን ዝብል ብሂል ኣበዋት’ውን ካልእ መራጎዲ ሙጉት ክቅርብ ይኽእል።።
ኣብ ቻይና፣ ህንድን ካልኦት ናይ ርሑቕ ምብራቕ ሃገራትን እንተርኢና’ውን ተመሳሳሊ ክውንነት ኢና ንዕዘብ። ምናልባሽ ዓይነት ኣምልኾ ክፈላለይ ይኽእል ይኸውን እንበር፡ እምነት ምህላው ወሳኒ ተራ ከምዝነበሮ ምርኣይ ዘጸግም ኣይመስለንን። ንኣብነት መሰረት እምነት ቻይና ኮንፊሾን ይብሃል። ፍቕርን ምትሕልላይን ዝዓብለሎ ኣወንታዊ ስርዓተ ክብርታት ከም ምእዙዝነት፣ እሙን ሙዃንን ክብሪ ምሃብን ከኣ የስርጽ። መሰረት እምነት ህንዲ ከኣ ሂንዱ ይበሃል። ግዝኣተ ሕልናን ስኒትን ዝዓብለሎ ስርዓተ ክብርታት ዘስርጽ ኮይኑ ፍንፉንን ዘይፍንፉንን ጉንዲ ወለዶ ስለዝጽብጽብ ግን ኣወንታዊ ክትብሎ ኣጸጋሚ ይኸውን። እምነት ከይተረፈ ሕረግ ትውልዲ ፍንፉናትን ዘይፍንፉናትን ጸብጺብካ ስለዝኾነ ህንዲ በዚ’ውን ኣይተሓገዘትን። ጉንዲ ትውልዲ ፍንፉንን ዘይፍንፉንን ኣብ ዝብል ኣምር መሰረት ዝገበረ ኣቃውማ ማሕበረሰብ ቅልጡፍ ቁጣባዊ ዕቤት ከምጽእ ዘለዎ ዕድል ጸቢብ ሙዃኑ ካብ ናይ ህንዲ ኣብነት ምምሃር ይከኣል።
ስርዓተ ክብሪ ኣብ ምርግጋጽ ቅልጡፍ ቁጠባዊ ዕቤት ዓቢ ተራ ከምዘለዎ ኢንገላርት ሮናልድን መሳርሕቱን ኣብ ናይ 1996 መጽናዕታዊ ጽሑፎም ብከፊል ገሊጾሞ ኣለዉ።ሀ ጉልበትን ፍልጠትን ሰብኣዊ ዓቅሚ ንበይኑ ብዘይ ኣወንታዊ ድርኺት ስርዓተ ክብርታት ከምጽኦ ዝኽእል ቁጠባዊ ዕቤት ውሱንን ነዊሕ ግዜ በሊዑን ጥራይ’ዩ ክረጋገጽ ተኽእሎ ዝህልዎ። ሃገራት ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ከም ኣብነት ክውሰድ ይከኣል። እዚ ማለት ግን ሓደ ስርዓተ ክብሪ ካብቲ ክልእ ይበልጽ ማለት ከምዘይኮነ ክፍለጥ ይግባእ። ከምኡ’ውን ሓደ ስርዓተ ክብሪ ቀጠባዊ ዕቤት ከምጽእ ከሎ እቲ ካልእ ኣየምጽእን’ዩ ማለት ዘይምዃኑ ምርዳእ የድሊ። እንታይድኣ፡ ኣሉታዊ ድርኺት ዝፈጥር ስርዓተ ክብርታት ኣዝዩ ዘገምታዊ ለውጢ ከምጽእ ከሎ፡ ኣወንታዊ ድርኺት ዝፈጥር ስርዓተ ክብርታት ቅልጡፍ ዕቤት ኣብ ምምጻእ ዕዙዝ ተራ ይጻወት ማለት ከምዘስምዕ ምዝካር የድሊ።
ዝበዝሓ ሃገራት ኣብ ዓለምና ኣብ ምርግጋጽ ቁጠባውን ባህላውን ዕብየት ምስ ተመሳሳሊ ስርዓተ ክብርታት ዘለወን ሃገራት ክመሓዘዋ ይረኣያ። እዚ ዝኾነሉ ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን። ኣወንታዊ ድርኺት ዘልዎ ስርዓተ ክብርትት ዘለዋ ሃገር ምስ ኣሉታዊ ድርኺት ዘለዎ ስርዓተ ክብርታት ዘለዋ ሃገር ክትመሓዞ ዝገብራ ዋላሓንቲ ምኽንያት ስለዘየለ’ዩ። ንኣብነት ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ፡ ኣብ ጎዶቦኣ ምስ ዘለዋ ሃገራት ዘይኮነት ትመሓዞ፡ ስግር ባሕሪ ከይዳ ምስ ናታ ስርዓተ ክብርታት ዝመሳሰል ዘለወን ሃገራት ክትመሓዞ እያ ትመርጽ። እዚ ማለት ሃገራት ንዕዳጋ፣ ንጥረ ነገራትን ንዶብ ሰገር ዋኒናተን ክብላ ውሱን ንግዳዊ ርክብ ኣይገብራን እየን ማለት ኣይኮነን። ውሱን መዝማዚ ንግዳዊ ርክብ ጌረን ማለት ተመሓዝየን ማለት’ውን ኣይኮነን። ምምሕዛው ኣብ ክልተኣዊ ናይ ሓባር ረብሓ ዝተመስረተ ድልዱል ሰረት ዘለዎ ርክብ ማለት ስልዝኾነ።
ኤርትራ ትገብሮ ምምሕዛው ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ሓቅታት መሰረት ዝገበረ ካብ ሙዃን ዝሓልፍ ኣይኮነን። ኣብ ንቡር ኩነታት ኤርትራ ብተዛማዲ ክትመሓዘወን ትኽእል ሃገራት ኣየኖት እየን ኢልና ምስ እንሓትት፡ መልሱ ኤርትራውያን ኣውፈርትን ተወፋሮን ብብዝሒ ዝኸድወን ሃገራት ብምርኣይ ዝያዳ ግብራዊ መልሲ ክርከብ ይከኣል።
መዋኸሲ
Beverlee B. Anderson, (2012) “Indian cultural values and economic development: an exploratory study”, World Journal of Entrepreneurship, Management and Sustainable Development, Vol. 8 Issue: 2/3, pp.194-201, https://doi.org/10.1108/20425961211247798
Granato, Jim. Inglehart, Ronald, and Leblang, David. 1996. “The Effect of Cultural Values on Economic Development: Theory, Hypotheses, and Some Empirical Tests.” American Journal of Political Science, Vol. 40, No. 3, pp. 607-631.
Lin, Justin Yifu. 2009. “Economic Growth and Chinese Cultural Revival,” published in the Journal of Peking University (Humanities and Social Sciences),46(3).
Weber, M. 1958. The Protestant Ethic and the Spirit of Capitalism. New York: Charles Scribner’s Sons.