ናይ እቲ ሽግር መፍትሒ መንገዲ እንታይ እዩ፧
ከምቲ ተደጋጊሙ ዝጥቀስ መፍትሒ ሽግራት ኤርትራ ካብ ምእላይ ኢሰያስን ጉጅልኡን ዝሓልፍ ኣይኮነን። ናይ ኢሰያስን ጉጅልኡን መሓውራት ኣዝዩ ውሱንን ኣብ ራዕድን ሽበራን ዝተመስረተ ሰለዝኾነ፡ ክትኣልዮ ኣዝዩ ቀሊል’ዩ። ኢሰያስን ጉጅልኡን እንተተኣልዮም ኩሎም መሳርሒ ምፍጣር ራዕድን ሽበራን ዝነበሩ ባዕሎም መንግዶም ከምዝጸርጉ ታሪኽ ኤርትራ ዝምስክሮ ሓቂ’ዩ። ኤርትራዊ መበቆል ወይ ኤርትራዊ ስምዒት ስምዒት ዘለዎም ኣብ ራዕድን ሽበራን ኢድ ኣለዎም ኢልካ ምሕሳብ ዝእመን ኣይኮነን። ነዚ ብህሎ ብዙሓት ከም ዕብሎኻ ክርእይዎ ይኽእሉ ይኾኑ፡ ነገር ምስ በርሃወ ብርግጽ እቲ ሓቂ ንሱ ኮይኑ ክጸንሕ’ዩ።
ንኢሰያስን ጉጅልኡን እንተተኻኢሉ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክኣትው ተመራጽን ሓድሽ ምዕራፍ ከፋትን ምኾነ። እንተዘይኮነ ኢሰያስን ጉጅልኡን ኣብዝሃለው ይሃልዉ፡ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት፣ ሚኒስተራትን ላዕለዎት ሓለፍትን ናቶም ኣኼባ ብምጽዋዕ ብዛዕባ ጉዳይ ሃገርን ህዝብን ክመያየጡን ኣንፈት ከትሕዙን ህዝባውን ሃገራውን ሓላፍነቶም ከምዝኾነ ምዝኽኻሮም ወሳንነት ኣለዎ። ሕሉብን ንጹፍን ሃገርን ህዝብን ሙዃኖም ተረዲኦም ነባሪ ሓድጊ ንኽገድፉ ምሕጽንታ ክቐርበሎም ምእዋይ። ኣብደገ ዘሎ ሃገራዊ ልክዕ ከም እዋን ብረታዊ ቃልሲ፡ ካብ ናይ ቃልን ንዋትን ዝሓልፍ ኣበርክቶ ክገብር ዝከኣሎ ኣይኮነን። ሃገርን ምሕደርኣን ካብ ኢሰያስን ጉጅልኡን መንዚዖም ንኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ንኡስ ወለዶ ብብቑሩብ ብናይ ግዜ መቓን ብውሑስ መንገዲ ከረክብዋ ለበዋ ስውኣት ኣብ ዝባኖም ከምዝሎ ከምዝስወጦም ብምግባር ምብርባሮም።
ኢሰያስን ጉጅልኡን ዝጸንሖም መደናገሪ መናውራታትን ጓል መንገድን ኩሉ ስለዝተጸንቀቐ፡ ካብ ሕጂ ንደሓር ብጽቡቕ ድሌት ኣዘዝቲ ሰራዊት፣ ሚኒስተራትን ላዕለዎት ሓለፍትን ጥራይ እዮም ኣብ ስልጣን ተኾይጦም ክጸንሑ ዝኽእሉ። እዚ ክውንነት ንኢሰያስን ጉጅልኡን ዓቢ ነውጺ ፈጢርሎም ስለዘሎ፡ መሕደሪ ዝኸውን ተዋስኦ ኣብ ጸጽባሕ ካብ ምፍጣር ዓዲ ኣይወዓሉን። ደድሕሪ ኣኣብዓዶም ብተዛማዲ ተቐባልነት ዘለዎም መራሕቲ ምሕባእ መርኣያ ምስሉይነት ካብ ሙዃን ዝሓልፍ ኣይኮነን። ኢሰያስን ጉጅልኡን ናይ መጨርስታ ጽዋዕ ተቐጂልዎም ከምዘሎ መልኣከ ሞት ዝዓሰሎ ወጅሃቶም ስለዝምስክሮ፡ መፍትሒ ሽግር ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኢድ ኣዘዝቲ ሰራዊት፣ ሚኒስተራትን ላዕለዎት ሓለፍትን ኤርትራ ከምዘሎ ምርዳእ ዘጸግም ኣይኮነን።
ረብሓን ዝምድናን ህዝቢ ኤርትራ ምስ ጎረባብቲ እንታይ ይመስል? እንታይ ከ ክመስል ይግባእ፧
ህዝቢ ኤርትራ ብደረጃ ህዝቢ ምስ ጎረባብቲ ኣዝዩ ድልዱል ኣብ ምክብባርን ምትእምማንን ዝተሞርከሰ ዝምድና ከምዝጸንሖን ከምዘለዎን ብዝገብሮም ምንቅስቃሳቱ ክምስከር ይከኣል። ምናልባሽ ብደረጃ መንግስቲ ምስ ጎረባብቲ ዝጸንሐን ዘለዎን ዝምድናታት ንስነልቦና ህዝቢ ኤርትራ ዝውክል’ዩ ኢልካ ክትዛረበሉ ፈጺምካ ዝከኣል ኣይኮነን። ቀንዲ መዐቀኒ ጽቡቕ ጉርብትና፡ ጎረባብቲ ሰላም፣ ድሕነት፣ ርግኣትን ምድግጋፍን ንምስሳን ዝገብርኦ ኣብ መትከል ዝተመኮሰ ሓድሕዳዊ ምትሕብባር’ዩ።
ኢሰያስን ጉጅልኡን ኣብ መትከልን ምክብባርን ዝተመርኮሰ ዝምድና ምስ ጎረባብቲ ክገብሩ ባህርያቶም ዘፍቅዶ ኣይኮነን። ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቐሰ፡ ኢሰያስን ጉጁልኡን ንዘለዎም ናይ ምልኪ ጥሙሕ ክሳብ ዘደልደለን ዝሕገዘን ዝኾነ ዓይነት ዝምድና ምስ ጎረባብቲ ክገብሩ ውላ’ውን ሉኣላውነት ሃገር ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ይእቶ ዝዓጦም ኣይኮኑን። እዚ ኣታዊ ወጻኢ ዕሸላዊ ባህርያት ኢሰያስን ጉጅልኡን ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ዝተራእየ ስለዝኾነ ኣብ ዝርዝር ምእታው ንሕጂ ዘድሊ ኣይኮነን።
ህዝቢ ኤርትራ ብመትከል ምስ ጎረባብቲ ዝግበር ዝምድና ኣብ ናይ ነባሪ ክልተኣዊ ረብሓ ዝተመርኮሰ ኮይኑ፡ ምስ ምቅይያር ምሕደራታትን መሪሕነታትን ዝቐያየር ክኸውን የብሉን ኢሉ ይኣምን። ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ውሑስ ሰላምን ምርግጋእን፡ ክሊ መሬታዊ ግዝኣትን ሉኣላውነትን ጎረባብቲ ክኽበር ወትሩ እጃሙ ከልዕል ጸኒሑን ኣሎን። ዘከራክር ጉዳይ ኣብ ዝለዓለሉ ብስልጡንን ግሉጽን ኣገባብ ክዝትየሉ፡ ኣድላዪ እንተኾይኑ ኣብ ምጋባእያ ዓለም ከይዱ ክዳነ፡ ንዝተወሃበ ብይን ብዘይ ወዓል ሕደር ኣብ ተግባር ንኽውዕል ምጽዓት ዘይቅየር መትከሉ ኮይኑ’ዩ ጸኒሑ። ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ረብሓ ምስ ጎረባብቲ ዘለዎ ዝምድና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይምእታው ዝብል’ውን ካብ’ቶም ቀንዲ ኣማእዘንቲ መርገጺታቱ ሙዃኖም ታሪኹ ዝምስክሮ ሓቂ’ዩ።
ብመንጽር ልዕል ኢልና ዝጠቐስናዮም መትከላትን ከይድታትን፡ ዝጸንሑን ዘለውን ዝምድናታት ህዝቢ ኤርትራ ብሓደ ወገን፡ ኢሰያስን ጉጅልኡን በቲ ኻልእ፡ ምስ ጎረባብትን ከባቢናን ብሓርፋፍ ክግምገም ከሎ እንታይ ከምዝመስል ብሓጺሩ ምርኣዩ ሓጋዚ ክኸውን ስለዝኸል፡ ሕልፍ ምባሉ ኣይጽላእን ።
ህዝቢ ኤርትራ ምስ ህዝብታት ኢትዮጵያ ዝጸንሖ ዝምድና ብሓፈሻ ዝነኣድ ኣይኮነን። ብፍላይ ተተኻኻእቲ ሓይልታት ህዝብታት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎም ኣጠማምታ ኣዝዩ ሚዛኑ ዝሰሓተን ኣብ ምክብባር ዘይኮነስ ኣብ ምግቡዕባዕ ዝተመርኮሰ ኮይኑ’ዩ ጸኒሑ። ኢሰያስን ጉጅልኡን ንዝጸንሐ ጥሙሕ ህዝብታት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ መዝሚዞም ናይ ምልኪ ስላጣኖም ኣብ ምንዋሕ ክጥቀሙሉ ምጽንሖም ዝፍለጥ’ዩ። ሕጅ’ውን እንተኮይንሎም ከምኡ ዓይነት ሃዋሁ ክፈጥሩ ዘይፍትኑ ኣይኮኑን። እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ፡ ምግቡዕባዕ ሓይልታት ህዝብታት ኢትዮጵያ ዋላ’ውን ኣብ’ቲ ፈታኒ እውናት ንህዝቢ ኤርትራ ኣሻቒልዎ ኣይፈልጥን’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ቀንዲ ጉዳዩን ሻቕሎቱን እኪት ኢሰያስን ጉጅልኡን ጥራይ እዩ። ኣብ’ዚ እዋን እዚ፡ ምህላው ሕማቕ ዝምድና ምስ ህዝብታት ኢትዮጵያ ተወሳኺ ዘየድሊ ጸገም እንተዘይኮይኑ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣሰካፊ ጉዳይ ኣይኮነን።
ህዝቢ ኤርትራ ምስ ጅቡትን ሱዳንን ዘለዎ ዝምድና ከም ምስ ኩለን ሃገራት ኣብ ሕድሕዳዊ ምክብባር ዝተመርኮሰ’ዩ። ከም ጎረባብቲ ክህልወና ዝግብኦ ዝምድና ኣዝዩ ድልዱልን ዓሚቕን ክኸውን ምተገብአ፡ እንተኾነ ብስነልቦናን ክብርታትን ደረጃ ገፊሕ ጋግ ስለዘሎ ዝጸንሐን ዘሎን ዝምድናታት ምስ ክልቲኤን ሃገራት ዳርጋ ስማዊ ክበሃል ዝከኣል’ዩ። ስለምንታይ ከምኡ ኮይኑ ንዝብል ሕቶ ቀሊል መልሲ ስለዘይብሉ ንሕጂ ከምዘለዎ ምግላጹ ይምረጽ። ኢሰያስን ጉጅልኡን ነዚ ሃጓፍ’ዚ መዝሚዞም፡ ህዝቢ ኤርትራ ምስ እዘን ሃገራት ዘተዃቱኽ ዘይብሉ ክንሱ ኣብዘይተደለየ ምትኹታኽ ከእትውዎ ከምዝጸንሑ ዝሰሓት ኣይኮነን። ከምኡ መግበሪኦም ረብሓ ህዝብን ሃገርን ዓጢጥዎም ዘይኮነ ምእንቲ ናይ ምልኪ ስልጣኖም ከደልድሉ ኢሎም ዝገብርዎ ዓሎቕ ምኹኑ ብዙሓት ይግምግሙ።
እዚ ማለት ግን ጁቡትን ሱዳንን በብወገንን ንረብሐአን ክብላ መሳርሒ ናይ ካልኦት ኣይኮናን ኔረን ማለት ኣይኮንን። ይኹን ደኣ’ንበር ኢሰያስን ጉጅልኡን’ውን ንዝፍጠሩ ዝነበሩ ጸገማት ብግጉይን ንህዝቢ ኤርትራ ብዝሃሲ መንገዲን ክሕዝዎ ይመርጹ ብምንባሮም ነቲ ጉዳይ መሊሱ ከካርሮ ከምዝጸንሐ ክፍለጥ ይግባእ። ምስ ጅቡትን ሱዳንን ክህሉ ዝኸል ዝምድና ንግዚኡ ካብ ሕድሕዳዊ ምክብባርን ከባቢያዊ ምርግጋእ ምርግጋጽን ዝሓልፍ ክኸውን ዝኸል ኣይመስልን። ምስ ምጽባብ ዘሎ ናይ ስነልቦናን ክብርታትን ጋግ እቲ ዝምድናታት እንዳ ዓመቐ ዘይከደሉ ኣብነት ግን ኣይህሉን።
ህዝቢ ኤርትራ ምስ ማእከላይ ምብራቕን ሃገራት ኣዕራብን ዘለዎ ዝምድና ኣብ ሓድሕዳዊ ምክብባር ዝተመርኮሰ ኮይኑ፡ ብቐንዱ ኣብ ድሕነትን ምርግጋእን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቓን ወሽመጥ ኣልምንደብን ዘተኮረ’ዩ። ካብ ቀረባ እዋናት ጀሚሩ ሃገራት ኣዕራብ ምስ ኤርትራ ዘለወን ዝምድና ሚዛናዊ ብዘይሙዃኑ፡ ብኣሸቃልን ሸቃልን ክግለጽ’ዩ ዝፍተን። እዚ ከኣ ኮነ ተባሂሉ ህዝቢ ኤርትራ ንምውራድ ብኢሰያስን ጉጅልኡን ዝተሃንደሰ ስለዝኾነ፡ ፍሉጥ ማዕልቦ ዘለዎ ጉዳይ’ዩ። ኢሰያስን ጉጅልኡን ምስልን ጽልዋን ኤርትራ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቓን ማእከላይ ምብራቕን ኮነ ኢሎም ኣዘንቢዖም፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዘይሽሙን ዘይመልክዑን ከትሕዝዎ ዝሓለንዎ ብሰንኪ ግሩማትን ሰብ ጽቡቕ ስም ኣውፈርትን ተወፋሮን ኤርትራውያን ሸማቲ ክረክብ ኣይከኣለን። ስለዝኾነ ቦታ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ዋናታት ክሳብ ዝመጹ ልሙዕ ሕዛእቲ ኮይኑ ጸኒሑ ኣሎ።