መልሲ ንጀ/ል ጻድቃን፡ ካብ ውሳነ ረፈረንደም ኤርትራን፡ ውሳነ ዶብን ዝዓቢ ሕጊ የልቦን

  

ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት፡ ብፍላይ ከኣ ድሕሪ ሞት መለስ ዜናዊ ሓደ-ሓደ መራሕቲ ህወሓት ነበር ዝርከቡዎም ኢትዮጵያውያን ምሁራትን ካድረታትን፡ ንልኡላወነት ሃገርና ዝደፍር፡ ብፍላይ ድማ ንዓሰብን ንኣፍደገ ባሕርን ዝምልከት ክጽሕፉን ቃለ-መሕትታት ክገብሩን ጸኒሖም ኣለዉ።

ከምቲ ‘ሓሶት እንተተደጋገመስ ሓቂ ይመስል’ ዝበሃል፡ ‘ዓገብ’ በሃሊ ብዘይምርካቦም ድማ፡ ንሓሶቶም ይደጋግሙዎ ኣለዉ።

እቶም ቅድሚ ሕጂ ዝቐርቡ ዝነበሩ ጽሑፋትን ቃለ-መሕትታትን፡ ዝበዝሕ እዋን ከም ‘ኢትዮጵያ ኣፍ-ደገ ባሕሪ ክትረክብ ዘኽእላ ሕጋዊን ታሪኻዊን መርትዖታት ኣለዉ’ ዝብሉ ዝርከቡዎም፡ ሓፈሻዊ ርእይቶታት ኮይኖም፡ ዝርዝራዊ መረዳእታ ዝወሓዶም: ሓይሎም ናብ ፕሮፓጋንዳ ዝዘንበለን’ዩ።

እዚ ጀነራል ጻድቃን ቅድሚ ቁሩብ መዓልታት ዝሃቦ ቃለ መሕትት ዝመስል መግለጺ ካብኡ ፍሉይ ዝገብሮ፡ ንሓደ ታሪኻዊ ኵነት ብፍሉይ ጠቒሱ፡ ኢትዮጵያ ዓሰብ ናይ ምውናን ርትዓዊ መሰል ከምዘለዋ ከረድእ ምፍታኑ’ዩ። እዚ ድማ እቲ ንሱ ‘ሓደ ካምፓኒ’ ኢሉ ዝጠቕሶ: ነቲ ምዕዳግ ዓሰብ ብኢጣልያዊ ካምፓኒ ሩባቲኖ፡ ዝምልከት’ዩ።

እዚ ሓጺር ጽሑፍ፡ ንጀነራል ጻድቃንን ነቶም ካልኦት ከምኡ ዝበሉ ታሪኽ ዘዘናብዑን ንኦም ንበይኖም ዝሰማምዑዎም ውዕላትን ናይ ሕጊ ውሳነታትን ጥራይ ቈቈንጪሎም ዝውከሱ መልሲ ንምሃብ ዘይኮነ፡ ነቲ ጀነራል ጻድቃን ዝሃቦ ናይ ሓሶት ጭብጢ ንምምልካት ጥራይ ዝዓለመ’ዩ፡፡ ካብኡ ሓሊፉ፡ እቲ ንሱ ጠቒሱዎ ዘሎ ሓደ ፍሉይ ኵነት፡ እቲ ሓደገይና ናይ ገበትትን መስፋሕፋሕትን ስነ-ልቦና ክሳብ ክንደይ ህያው ምህላዉ ከም ምልክት ዝውሰድ ድኣምበር፡ ኣብ ቅድሚ ሕጊስ ክንድቲ ማይ ዝሕዝ ዘይምዃኑ ኣይጠፍኣንን። ምኽንያቱ፡ ከምቲ ኣርእስቲ ናይዚ ጽሑፍ ዘመልክቶ፡ እቶም ቀንዲ ወሰንቲ ውዕላት፡ ውሳነ ረፈረንደም ህዝቢ ኤርትራን፡ ኣህጉራዊ ውሳነ ዶባትን ጥራይ እዮም። እሞ ነቶም ጀነራል ጻድቃን ዝጠቐሶም ፍጻመታት ክንርኢ።

  1. ብ15 ሕዳር 1869፡ ላዛሪስታዊ ካህን ጁሰፐ ሳፔቶ ብስም ኩባንያ ራባቲኖ ንዓሰብ ካብ ሱልጣናት ናይቲ ከባቢ ዝኾኑ ክለተ ኣሕዋት ክገዝእ ተወዓዓለ።
  2. ብ11 መጋቢት 1870 እቲ ዓሰብ ናይ ምግዛእ ውዕል ተፈጸመ፡ ሳፔቶን ብዞሊኖን (ካፕተን ናይ’ታ ፊርማ እተፈጸመላ መርከብ) ከም ዓደግቲ ብስም ሩባቲኖ፡ ሓሰን ኣሕመድን ሱልጣን ኢብራሂም ኣሕመድን (ክልተ ኣሕዋት)፡ ሱልጣን ዓብደላ ሻሂምን፡ ከም ወነንቲ ቦታን ሸየጥትን፡ ነቶም ብቋንቋታት ጣልያንን ዓረብን እተጻሕፉ ስምምዓት ክታሞም ኣንበሩሎም። ክልተ መሰኻኽር ወሲኽኻ፡ እቶም 5ተ ደቂ ዓዲ ኣብ ቍርኣን ብምጥቃዕ መሓሉ። እቲ ሓዲስ ስምምዕ ከም ቡያ ዝበሉ ብሱልጣን ዓብደላ ሻሂም ዝውነኑ ካልኦት ቦታታት ወሲኹ እተመሓየሸ ስለዝነበረ፡ እቲ ክፍሊት ካብቲ ኣብ ፈለማ ዝነበረ 6ተ ሽሕ ናብ 8ተ ሽሕን ሓደ ሚእትን ማርያ ተሬዛ ደየበ።
  3. ጸኒሑ ሳፔቶ፡ ብ16 መጋቢት 1870፡ ምስ ሱልጣን ረሓይታ፡ ንረሓይታን ኣብ ከባቢኣ ዘለዋ ደሴታትን ዝምልከት ውዕል ምስ ሱልጣን ቡርሃን ዲኒ ፈረመ። እዚ ውዕል’ዚ ን10ተ ዓመታት ዝጸንሕ ኮይኑ፡ ሩባቲኖ 1000 ማርያ ተረዛ ከምእትኸፍልን፡ ድሕሪ 10 ዓመት ድማ ካልእ 1000 ማርያ ተረዛ ወሲኻ ንሓዋሩ ክትውንኖ ከምእትኽእል ይነግር፡፡ ከምዝመስለኒ፡ ጀነራል ጻድቃን ነቲ ‘ን10 ዓመት ዝጸንሕ’ ዝብል’ዩ ከም ናይ ሕጊ ሃጓፍ ገይሩ ዝዛረበሉ ዘሎ።
  4. ብ10 ለካቲት 1882፡ ዓሰብን ከባቢኣን ካብ ኩባንያ ሩባቲኖን ናብ መንግስቲ ኢጣልያ ተሰጋገረ።
  5. ናይ ኣውሳ ሱልጣን፡ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሱልጣናት ዓፈር ከም ላዕለዋይ መንፈሳዊን ኣባታዊን መራሒን ስለዝፍለጥ፡ መንግስቲ ኢጣልያ ናቱ ባርኾት ከምዘድልዮ ይፈልጥ ነበረ፡ ብመንገዲ ፕየሮ ኣንቶኔሊ ኣቢሉ ድማ፡ ምስ ሱልጣን ዓፈር፡ ኣሕመድ ሓንፈሪ ንዓሰብን ከባቢኣን ግዝኣት ኢጣልያ ምዃኑ ዘረጋግጽ ውዕል ብ15 መጋቢት 1883 ፈረመ። እዚ ውዕል’ዚ ንኢጣልያ፡ ካብ ራሓይታ ክሳብ ዙላን ዳህላክን ናይ ዝዝርጋሕ ገማግም ጸጥታ ናይ ምርግጋጽን፡ ኢጣልያውያን ነጋዶን ኩባንያታትን ኣብ ግዝኣት ኣውሳ ብዘይቀረጽን ግብርን ክንቀሳቐሱን ዝገብርን ነበረ።
  6. እቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ውዕል፡ ንምምልላስ ኢጣልያውያን ዜጋታት ብግዝኣት ኣውሳ ኣቢልካ ናብን ካብን ሸዋ ስለዝምልከት፡ እቲ ንናይ’ቲ እዋን ንጉስ ሸዋ ዝነበረ ምኒልክ ዝሓወሰ ስሉሳዊ ውዕል ኮይኑ ብዕለት 22 ግንቦት 1883 ብንጉስ ምኒልክ ኣብ ኣንኮበር ተፈረመ።

ናብ ሓሶታት ጀነራል ጻድቃን ክንምለስ፡

  1. እቲ ብኩባንያ ሩባቲኖ ዝተገብረ ውዕል፡ ምስ ሱልጣናት ዓሰብን፡ ራሓይታን፡ ኣውሳን እምበር፡ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣይነበረን፡፡ ምኽንያቱ፡ ኣብቲ እዋን’ቲ ግዝኣት ኣውሳን ካልኦት ግዝኣታት ደንከልን (ዓፈር) ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ኣይኣተወን ዝነበረ። ኤርትራ’ውን ከምግዝኣት ኢጣልያ ስለዘይቆመት፡ ‘ኢጣልያዊ ግዝኣት ዓሰብ’ ጥራይ ተባሂሉ ይፍለጥ ነበረ።
  2. እቲ ስሉሳዊ ውዕል እንተኾነ’ውን፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢጣልያ፡ ግዝኣት ኣውሳን ሸዋን ጥራይ’ዩ ዝነበረ። ከምዝፍለጥ ናይ’ቲ እዋን’ቲ መራሒ ኢትዮጵያ፡ እቲ ብንጉሰ-ነገስት ዝፍለጥ ዮሃንስ እዩ ዝነበረ። ምኒልክ ግን ንጉስ ኢትዮጵያ ክኸውን ህንጡይነት ከምዝነበሮ ታሪኽ ዝምስክሮ ኮይኑ፡ ክሳብ ድሕሪ ሞት ዮሃንስ (1889)፡ ንጉስ ሸዋ ጥራይ’ዩ ዝነበረ። ጣልያን ንገማግም ኤርትራ ዝምልከት፡ ፈረንሳ ድማ ንታጁራን (ጅቡቲ) ዝምልከት ምስ ምኒልክ ዘይኮነ ምስ ሱልጣናት ዓፈር እተፈራረሙሉ ምኽንያት ድማ ምኒልክ ናይ’ቲ ከባቢታት ገዛኢ ስለይነበረ እዩ። ድሕሪ ሞት ዮሃንስ፡ ምኒልክ ንጉስ ኢትዮጵያ ምስ ኮነ፡ ድሒሮም ዝሰዓቡ ውዕላት ዶባት፡ ኵሉ ስለዝፈልጦም ኣብዚ ምጥቃሶም ኣገዳሲ ኣይመስለንን።

ከም’ቲ ኣብ ላዕሊ አተጠቕሰ፡ እቲ ናይ ምስፍሕፋሕን ምግባትን ሸውሃት ከምዘይሞተ ንምርኣይ ድኣምበር፡ መግለጺ ጀነራል ጻድቃን መልሲ ስለዝግብኦ ኣይኮንኩን ዝጽሕፍ ዘለኹ። ነቲ ኣብ ርእሲ ኤርትራውያን ዝዝንቢ ዝነበረ፡ ‘ምስሕሓብ ዶብ ኣብ ባድመ ምስዓሰብ ብምንታይ ይራኸብ?” ዝብል ሕንቅልሕንቅሊተይ ግን፡ ‘ዝወዓለ ይንገርካ’ ከምዝብሃል ጻድቃን ንጹር መልሲ ሂቡሉ’ሎ። ምስ’ቲ ገብሩ ኣስራት ‘ኣስመራ ኣቲና መንግስቲ ክንግልብጥ መደብ ነይሩና’ ዝብል ኣብ መጽሓኡ ኣስፊሩዎ ዘሎ ዝሰማማዕ፡ ኣካል ናይቲ ሃገር እንዳማትካ ናይ ምፍርራስን ልኡላውነት ናይ ምድፋርን ውጥን እዩ።

ግን፡ ንሱስ ሓሊፉ፡ ሕጂኸ ጽልእን ኲናትን ምጽሕታር ንምንታይ ኣድለየ? መልሲ ንናይ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ኢድካ ናይ ምትእትታው ድሌት እንተኾይኑ ግን፡ ኤርትራን ዓሰብን ናይ ህዝቢ ኤርትራ እምበር ናይ ኢሳይያስ ዘይምዃነን ክርድኡ ይግባእ። ጀነራል ጻድቃንን እቶም ከምኡ ዝበሉን ድማ ከምቲ ናይ ዝሓለፈ ዕስራ ናይ ‘ኣይሰላም-ኣይኲናት’ ዓመታት፡ ብፍላጥ ኮነ ብዘይፍላጥ፡ መሳርሒ ኢሳይያስ ይኾኑ ማለት’ ዩ።

ከምቲ ብዙሓት ኢሎሞ ዘለዉ፡ ርእይቶ ጀነራል ጻድቃን ከም ናይ ታምራት ነገራን ካልኦትን፡ ተራ ርእይቶ’ዩ ኢልካ ዝሕለፍ ኣይኮነን። ብፍላይ ‘ዓሰብ ብሰላማዊ መንገዲ፡ እንተዘየሎ ግን ምትኳሱ ኣይተርፎን’ዩ’ ዝበሎ ግን፡ ምስ’ቲ ንሱ ‘እዝን እትን ኮርስ ወሲደ’ ዝብሎን፡ ምስ ዘለዎ ተመክሮን ዝነበሮን ዘለዎን ሓላፍነትን ዘይከይድ’ዩ። እቲ ታሪኻዊን ሕጋዊን ዝበሎ ናይ ሓሶት መርትዖታት’ውን፡ መርኣያ ናይ ትዕቢቱን ዘይሓላፍነታዊ ሰብ ምዃኑን’ዩ።

እዞም ከም ጀነራል ጻድቃንን ከምኡ ዝበሉ ኣብ ቂምን በቐልን ዝነብሩ ወትሃደራዊን ፖለቲካውን መራሕቲ ነበር ክፈልጡዎ ዘለዎም፡ እቲ ዘይሓላፍነታዊ ተግባራቶም፡ ከምቲ ንኦም ዝመስሎም ሓልዮት ንኢትዮጵያ ዘይኮነ፡ ናብ ዘሎ ሓዊ ነዳዲ ዝንስንስ፡ ንኢትዮጵያ ካብቲ ኣትያቶ ዘላ ናብ ዝገደደ ዘይርግኣት ዝሸምምን፡ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ብፍላይ ድማ ህዝቢ ትግራይ ሕውነትን ንቡር ጕርብትና ከይህሉ ካብ ምግባርን፡ ብኡ ኣቢሉ’ውን ንናይ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላምን ርግኣትን ካብ ምዝራግ ሓሊፉ ካልእ ፋይዳ የብሉን።

ምንጪ https://assenna.com/

guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments