መጸንበሪ ቅጥዒ
1. ዓቃባዊ ጥምረት ንመሰል ኤርትራውያን ቀዳምነት ይሰርዕ። ህላወን ፍጹም ዋንነት ኤርትራን ዘይነጻጸሉ መሰላት ኤርትራውያን ስለዝኾኑ፡ ህላወን ረብሓታትን ኤርትራ ብኤርትራውያን ጥራይ ክሕለዉ ኣለዎም ኢልና ንኣምን። ነዚ መትከል ክነሐይል፣ ክነሰስንን ክንከላኸልን ድማ ብምሉእ ዓቕምናን ተወፋይነትን ክንሰርሕ ኢና። ከምኡ እውን ንመሰል ዘይኤርትራውያን ነበርቲ ማዕረ ኤርትራውያን ክሕሎን ክኸብርን ንቕበልን፡ ንኣምንን።

2. ተወከልቲ ህዝቢ ኤርትራ ዘይተሳተፍዎምን ዘይባረኽዎምን፡ ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ዘየቐድሙ ውዕላትን ስምምዓትን ብትሪ ንኹንንን ንነጽግን። ኣብ ቀጻሊ ዝግበሩ ውዕላትን ስምምዓትን ብተወከልቲ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ክግበሩ ኣለዎም ዝብል ጽኑዕ እምነት ኣለና። ነዚ መሰል ክረግጽ ዝፍትን ሓይሊ ድማ፡ ብሙሉእ ሓይልና ክንብድሆ ኢና።

3. ቁጠባ ኤርትራ፡ ንውሁብ ሃለዋት ህዝብን ሃገርን ቅድም ሰሪዑ፡ ኣብ መትከላት ናጻ ዕዳጋ ዝቖመ ክኸዉን ኣለዎ ኢልና ንኣምን። ዝስልዑ ግብሪ ወሰኽ ክብርታት፣ ቀረጻት፣ ግብሪ ኣታዊታትን መልዕሎታትን፡ ሃለዋትን ስኒትን ህዝቢ ብዘበርኽ መልክዕ ክዉደኑ፡ እጃምና ከምንገብር ብሓበን ንገልጽ። ርትዓዊ መልዕሎታት ብምትእትታዉ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ሂወቱ ዝመርሓሉ ኣታዊ ክህልዎ ከይተሓለለና ክንሰርሕ ምዃና ነረጋግጽ።

4. ስርዓተ ክብርታት ኤርትራውያን ዳግም ክጥጥዑን፡ ናጻ ውድድርን ወኒ ሃገራውነትን ክዓኩኽን፡ ባህላዊ ትንሳኤ ኤርትራ ብኤርትራውያን ተማእዚኑ ክበራበርን ኣለዎ ኢልና ንኣምን። ውዳበን እምነትን ዓቃባዊ ጥምረት ኣብ ዓለማውነት ዝተመስረተ እኳ እንተኾነ፡ ንያታታት፣ ባህልታት፣ ትዉፊታትን እምነታትን ህዝቢ ኤርትራ ከም ዓንዲ ማእከላት መንነትና ኢና ንቕበሎም። ተመሊሶም ግቡእ ቦትኦም ክሕዙ ድማ ግደና ክንገብር ኢና።