- ዓቃባዊ ጥምረት ንመሰል ኤርትራውያን ቀዳምነት ይሰርዕ። ህላወ ኤርትራን፡ ፍጹም ዋንነት ኤርትራን ዘይነጻጸሉ መሰላት ኤርትራውይን ስለዝኾኑ፡ ህላወን ረብሓታትን ኤርትራ ብደቀባት ጥራይ ክሕለዉ ኣለዎም ኢልና ንኣምን። ነዚ መትከል ክነሐይል፣ ክነሰስንን ክንከላኸልን ድማ ብኹምሉእ ዓቕምናን ተወፋይነትን ክንሰርሕ ኢና። ከምኡ እዉን ንመሰል ምንባር ዘይኤርትራውያን ማዕረ ማዕረ ኤርትራውያን ክሕሎ ንቕበልን፡ ነኽብርን።
- ወከልቲ ህዝቢ ኤርትራ ዘይተሳተፍዎም፣ ዘይተማእከሉን ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ዘየቐድሙን፡ ውዕላትን ስምምዓትን ብትሪ ንነጽግ። ዝግበሩ ውዕላትን ስምምዓትን ብተወከልቲ ኤርትርውያን ጥራይ ክግበሩ ኣለዎም ዝብል ጽኑዕ እምነት ኣለና። ነዚ መሰል ክረግጹ ዝፍትኑ ሓይልታት፡ ብሙሉእ ሓይልና ከምእንብድሆም ድማ ንገልጽ።
- ቁጠባ ኤርትራ፡ ንውሁብ ሃለዋት ህዝብን ሃገርን ቅድም ሰሪዑ፡ ኣብ መትከላት ነጻ ዕዳጋ ዝቖመ ክኸዉን ኣለዎ ኢልና ንኣምን። ዝስልዑ ግብሪ ወሰኽ ክብርታት፣ ቀረጻት፣ ግብሪ ኣታዊታትን መልዕሎታትን፡ ሃለዋትን ስኒትን ህዝቢ ብዘበርኹ መልክዖም ክዉደኑ፡ እጃምና ከምንገብር ብሓበን ንገልጽ። ርትዓዊ መልዕሎታት ብምትእትታዉ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ሂወቱ ዝመርሓሉ ኣታዊ ንኽህልዎ ከይተሓለለና ከምንሰርሕ ድማ ነረጋግጽ።
- ስርዓተ ክብርታት ደቀባት ኤርትራ ዳግም ክጥጥዕን፡ ነጻ ውድድርን ወኒ ሃገራዉነትን ክዓኩኽን ባህላዊ ትንሳኤ ኤርትራ ብደቀባት ተማእዚኑ ክበራበር ኣለዎ ኢልና ንኣምን። ውዳበን እምነትን ዓቃባዊ ጥምረት ኣብ ዓለማውነት ዝተመስረተ እኳ እንተኾነ፡ ንያታታት፣ ባህልታት፣ ትዉፊታትን እምነታትን ደቀባት ኤርትራውያን ከም ዓንዲ ማእከላት መንነትና ንቕበሎምን ንኽብሮምን። ተመሊሶም ግቡእ ቦትኦም ንኽሕዙ ድማ ጊደና ክንገብር ኢና።