ሃገራውነት ሰፊሕ ትርጉም ዝውንን ኣምር ኮይኑ ዝበዝሑ ተመራመርቲ ብእወታ ክጠቕስዎ እዮም ዝስምዑ። ይኹን ደኣ’ንበር፡ ንፍሉይ ረብሓን ሕሳብ ንምውርራድን ተባሂሉ ሃገራውነት ብኣሉታ ክግለጸሉ ዝድለየሉ እዋናት እውን ኣሎ። ብደረጃ ዓለም ድማ፡ ደምበ ፈሊኻ ሸቝራሪ ትርጉም ክወሃቦ ይፍተን እዩ። እዚ ሰብ ፍሉይ ረብሓ ብዕብሎኻን ሓይልን ጥቅሞም ንምሕላው ኮነ ኢሎም ዘዘውትርዎ ሜላ ሙዃኑ ኣብ ታሪኽ ዓለምና ብተደጋጋሚ ዝተረኣየ እዩ።
ንኣብነት፡ ምዕራባውያን ሃገራት ካብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ጀሚሮም፡ ምዝንባዕ ትርጉም ሃገራውነት ሜላ መዕገቢ ስሱዕ ሸውሃቶም ኮይኑ ምጽንሑ ምምስኻር ዘድልዮ ኣይመስለንን። ትርጉም ሃገራውነት ክዝንብዓሉ ዝድለየሉ ቀንዲ ምኽንያት ንዶብ ሰገር ዋኒናቶም ባይታ ንምጽራግን ዕዳጋ ዓለም ንምብሓትን ተባሂሉ ዝግበር መደናገሪ ሰበብ’ዩ ዝበሃል። ዕዳጋ ክብሃል ከሎ፡ ዕዳጋ ናይ ንዋት ጥራይ ዘይሙዃኑ እግረ መንገድና ክሕብር ንፈቱ።
ብኻልእ ወገን፡ ኣህዛብ መንነቶም ኣብ ዝሕተትሉ እዋን፡ ብኩርዓት ስም ሃገሮም ጠእቒሶም ዝነግሩሉ ምኽንያት መንነቶም ምስ ሃገራውነቶም ዝተጣመረ ስለዝኾእነ እንበር፡ ዝተፈልየ ትርጉም ስለዘለዎ ኣይኰኑን።
ስለዚ ሃገራውነት መግለጺ መንነት ካብ ኮነ፡ ሃገራውነትካ ምኽሓድ መንነትካ ምኽሓድ ከምዘስምዕ ተረዲእና ብምስትውዓል ንኺድ። ሃገራውነት ከም ኣምርን ከም ስነሓሳብን ክልተ ዝተፈላልዪ ትርጉም ክወሃቦ ድማ ይኽእል።
ሃገራውነት ከም ኣምር ብሰፊሑ ክረኣይ ከሎ ብዛዕባ ዋልታ ህዝብን ሃገርን ምዃን፣ ግብሪን ቀረጽን ምኽፋል፣ ግዝኣተ ሕጊ ምኽባር፣ ምስጉን ዜጋ ሙዃን፣ ብፍልጠትካን ሞያኻን ደረጃ ሕብረተስብካ ምብራኽ፣ ድኹማን ምጥዋር፣ ንዋይካ ኣብ ሕብረተሰብ ምውፋር፣ ዓለማዊ ምስሊ ሃገርካ ምምሕያሽ፣ ትሑትን ጻዕራምን ሙዃን ዘኣመሰሉ ክኸውን ይኽእል። ብሓጺሩ ሃገራውነት ከም ኣምር ንረብሓ፡ ልምዓትን ድሕነትን ህዝብን ሃገርን ዝከኣለካ ምግባር ተባሂሉ ክትርጎም ይከኣል።
ሃገራውነት ብስነ ሓሳብ ደረጃ ከም መግለጺ መንነት ናይ ሓደ ሃገር ህዝቢ ይውሰድ። ሃገራውነት ከም መግለጺ መንነት ኣብ ኣዝዩ ነዊሕ ግዜ፡ ተሪር ፈተና ሓሊፉ ዝሰርጽ ኣምር ብምዃኑ ክተፍርሶ ወይ ክትቅይሮ ኣዝዩ ከቢድን ዝተሓላለኸን ክኸውን ከምዝኽእል ምግማቱ ኣየጸግምን። መግለጺ መንነት ሓደ ህዝቢ ኣብ ባህሉን ክብርታቱን ተመርኲሱ ዝቖመ ስለዝኾነ፡ ሕብረተሰባዊ ባህሉን ክብርታቱን ከይቀየርካ ምግለጺ መንነቱ ክትቅይር ዝከኣል ስለዘይኮነ። ባህልን ክብርታትን ሓደ ሕብረተሰብ ኣብ ኣሽሓት ዓመታት ዝህነጽ ሙዃኑ ዝስሓት ኣይመስለንን።
ሃገራውነት መግለጺ መንነት ስለዝኾነ ህዝቢ መግለጺ መንነቱ ባዕሉ ንኽውስን ዕድል ክውሃቦ ኣለዎ ዝብል ብገለ ሓሰብቲ ዝቐርብ መጎት ዝንጸግ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ህዝቢ ኤርትራ መግለጺ መንነቱ ባዕሉ ይወስን ዝብል መጎት ብግዛእቲ ሓይልታት ተቐባልነት ስለዝሰኣነን’ዩ ‘ኮ ብቕደሙ’ውን ናብ ብረታዊ ቃልሲ ዝተኣተወ።
ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ብዘሳትፍ መንገዲ ክግበር ይከኣል ስለዘይነበረ፡ ኣብ ሜዳ ተሓቛቚኑ ኤርትራዊ ሃገራውነት ከም መግለጺ መንነት ክሰርጽ ክኢሉ። እዚ’ውን ክውን ክኸውን ዝኸኣለ፡ ንዘመናት ተሃኒጹ ዝጸንሐ ባህልን ስርዓተ ክብርታት ስለዝጸንሐ’ዩ። ከም ውጽኢት ህዝቢ ኤርትራውነቱ ብሓበን ኣብ ዝገልጽሉን ዝብጀወሉን ደረጃ በጺሑ። ዓለም እውን ንኤርትራውንት ከም መግለጺ መንነት ሃንጎፋይ ኢላ እያ ተቐቢላቶ።
ስለምንታይ ሸንኮለል ይድለይ ኣሎ ንዝብል ሕቶ መልሲ ከይቀረብካ፡ ክቡር ኤርትራዊ ሃገራውነት ኣንቋሺሽካ ንድሕሪት ክትምለስ ምድላይ ጣቋ ዘለዎ ኣይኮነን። ህዝቢ ካልእ መግለጺ መንነት ክፈጥር ዕድል ክወሃቦ ኣለዎ ዝብል መጎተ ጸገማቱ ከምዝዛይድ ምዝካር የድሊ። ዝፍጠር ሁከት ቀሊል ከምዘይከውን’ውን ዘይምዝንጋዕ። መግለጺ መንነት ጠፍጢፍካ ዘይኮነ ብሓዊ ተፈቲኑ ኣብ ነዊሕ ዘመናት ዝፍጠር ስነሓሳባዊ ኣምር ስለዝኾነ ዋግኡ ቀሊል ኣይኰነን።
ንኣብነት በብእዋኑ ኣብ መሬት ኤርትራ ዝነበሩ ገዛእትን ዝገጥሞም ዝነበረ ተቓውሞታትን እስከ ንርአ። መግዛእቲ ጣልያን እንተርኢና ክስዕብ ዝኽእል ጸገማት ተረዲኡዎም ባህልን መንነትን ህዝቢ ከይተንከፉ ወሰን ወሰን እንዳኸዱ ንዓሰርተታት ዓመታት ብዘይ ብዙሕ ተጻብኦ ሓውሲ ክገዝኡ ክኽእሉ ከለዉ፣ ኢትዮጵያዉያን ገዛእቲ ብኣንጻሩ እግሮም ከይኣተወ ባህልን ክብርታትን ህዝቢ ክተናኽፉ ስለዝጀመሩ ከቢድ ተቓውሞ ገጢምዎም፡ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ናብ ብረታዊ ቃልሲ ከምዝሰገረ ናይ ትማሊ ተዘክሮ’ዩ።
ኣብ ትሕቲ ጽላል ኤርትራዊ ሃገራውነት ረብሓ፡ ልምዓትን ድሕነትን ህዝቢ ክተሰስን ምጽዓት ሓደ ነገር’ዩ። ይሕመቕ ይጸብቕ ሰሪጹ ዘሎ ኣገራውንት ኣብ ዕዳጋ ወሪዱ ዳግማይ ብድሌት ህዝቢ ክሽመት ኣለዎ ምብል ኣብ’ዚ እዋን እዚ ግን ካልእ ነገር’ዩ። ኣበሃህላ ሒደት ዘይበሃሉ ሓሰብቲ ድሒሩ ተጠቂሱ ዘሎ ስለዘስምዕ፡ ብወገና ተቐባልነት የብሉን። ርእይቶ ኣይሃሉኹም ንብል ዘይምህላውና ብሩህ ክኸውን ድማ ነዘኻኽር።