ጉዳይ ዶብ ቀንዲ ዋኒን ህዝቢ ኤርትራ ከምዝኾነ ዘይምዝንጋዕ

  

ብዛዕባ ትግራይ ክንዛረብ ስለዝደለና ኣይኮንኾናን ንክልላዊ መንግስትን ህዝብን ትግራይ ኣልዒልና፡ መረዳእታ ኣብ ጉዳይ ዶብ ክንህብ ዝስለዝደለና ኢና። ከምቲ ደጋጊሚ ንብሎ ጉዳይ ትግራይ ንትግራዎት ከምዝምልከት ንፈልጥን፡ ነኽብሮን ከኣ። ምስ ህዝቢ ትግራይ ዘራኽበና ብቐንዱ ኣብ ምክባር ዝተመርኮሰ ጉርብትና’ዩ ኢልና ኸኣ እኣምን።

እንተኾነ፡ መበገሲኡ ብዘየገድስ፡ ምስ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን እልባት ዘይተገበረሉ ጉዳይ ዶብ ስለዘራኽበናን፣ መዘዙ ከኣ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ክጻወሮ ዝኽእል ንላዕሊ ሕሰም የምጽኣልና ስለዘሎን፣ ብዘይ ወዓል ሕደር ክፍታሕ ዘለዎ ዘየላቡ ዉራይ ኤርትራውያን ስለዝኾነን ንዝምልከቶም ኩሎም ምዝኽኻርን ድፍኢትን ምግባርን ግድን እዩ። ኣብዚ ጉዳይ ዝምልከቶም ኩሎም ካብ መርሒነት መንግስቲ ኤርትራ ጀሚርካ ክሳብ ማእከላይ መንግሲቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ንዝፈጥርዎም ምስምሳት ቅቡላት ከምዘይኮኑን ሳዕቤን ከምዝህልዎምን ምንጋር ሓላፍነት ናይ ከሉ ኤርትራዊ ሙኽኑ ዘይምዝንጋዕ።

ክፍጠሩ ዝድለዩ ምስምሳትን፡ ሓሰብቶምን ኣተግበርቶምን ፈላሊኻ ኣብ እተረዳኣሉ፡ ግድን እዩ ሰብ ነግርካ ክጥቀሱ። ሕቶ ዶብ እልባት ከይተገብረሉ ክግበሩ ዝድለዩ ከይድታትን ሳዕቤናቶምን ተሓተቲ ወጠንቶምን ኣተግበርቶምን ጥራይ እዮም። ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያን ከምታ ቃሎም ብዘይ ቅድመ ኩነት ብይን ዶብ ክትግበር እጃሞም ክገብሩ ዝሕተትሉ ፈታኒ እዋን ሕጂ እዩ። ምስምሳት መርሒነት መንግስቲ ኤርትራ ንህዝቢ ኤርትራ ዝግደፍ ጉዳይ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ጉዳይ ዶብ ኣብ እዋኑ እልባት ዘይምርካቡ ዝወርዶ ሕሰም፡ ውርደትን ጭፍጨፋን ነጋሪ ኣየድልዮን እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘሓልፋ 20 ዓመታት ዝኸፈሎ ዋጋ ድሕሪ ምትግባር ብይን ዶብን ምትካል ቅዋማዊ መንግስቱን ምስ ኩሎም ሰብ ብርኪ ሕሰሙ ክተሓሳሰብ ስለዝኾነ ሕጂ ናብኡ ተመሊሱ ምኒን ዝብለሉ ኣብነት የብሉን። ንቕድሚት ብምጥማት ጉዳይ ዶብ እልባት ጌሩ ብናህሪ ናብ ዘቤታዊ ውራዩ ክኣቱ’ዩ ዝደሊ ዘሎ። ብምስምስ ግዜ ምብላዕ ዕዳ ምብዛሕ ጥራይ’ዩ ፋይድኡ።

ሕጂ ኣብ ኣተራጉማ ሃገር ዝብል ኣምር ሀ ሁ ምባል ንዓና እዋኑ ኣይኮነን። ምሰ እናይቕረትኡ።

guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments