ምጕታት ለውጢ ስለምንታይ፧

  

ለውጢ ንዕስራ ዓመታት ተጓቲቱ ገና ይጓተት ኣሎ። ስለምንታይ ንዝብል ሕቶ፡ ንለባምን ዓቃልን ህዝቢ ዘይስሙ ብምሃብ ክመኻነ ይስማዕ። ህዝቢ ኤርትራ ጽቡቕ  እንዳደለየ ብተመዅለይቲ ዘይጽወር ጥልመት ኣጋጢምዎ። ኣብ እዋኑ ንሒደት ተመዂለይቲ ኣለልዩ ክውግኖም ብዘይምኽኣሉ’ውን ከቢድ ዋጋ ተሓቲቱ። ሕጂ’ውን ዝኸበደ ዋጋ ከይሕተት ርጡብን ስልጡንን ለውጢ ከረጋግጽ ይጽዕት። ነዚ ንምዕዋት መሪሕ ውዳበ ንምፍጣር ይሸባሸብ። ህዝቢ ምልኣት ልቡ ዝዓርፈሉ መሪሕ ውዳበ ዛጊት ዝፈጠረ ኣይመስልን። እዚ ከኣ ናይ ግዜ ሕቶ ጥራይ’ዩ። 

ክመጽእ ዝድለይ ለውጢ ክዕወት፡ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ኩሎም ሰብ ብርኪ ዝዓስልዎ ክኸውን ይምረጽ። ከምኡ ምዝኸውን ህዝብን ሃገርን ካብ ዘየድሊ ሓርጎጽጎጽ የድሕን። ዝኸይድ ዘሎ ቃልሲ ንለውጢ ብዕምቈት ተጸኒዑ ፍሉጥ ሸቶ ኣለዎ ክበሃል ዝከኣል ኣይመስልን። ብጀካ ዝገበርካ ጌርካ ህግደፍ ምእላይ። ህግደፍ ምእላይ እንታይ ማለት ምዃኑ ብሓሳብ ደረጃ ሓባራዊ መረዳእታ ኣሎ ኢልካ’ውን ክትዛረበሉ ኣይከላን። ከምዚ ስለዝኾነ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ራህዋን ቅሳነትን መመሊሱ ይርሕቆ። መሪሕ ውዳበ ከይፈጥር ከኣ ተዓናቒፉ ኣብ ዕንክሊል ኣትዩ ይርከብ።

ቅልጡፍን ውሑስን ለውጢ ክረጋገጽ፡ ህግደፍ ምእላይ እንታይ ማለት ሙዃኑ ዝበዝሑ ሰብ ብርኪ ዝሰማምዑሉን ዝዓስልዎን ሓሳብ ክፈስስን ኣብ ምርድዳእ ክብጻሓሉን ኣለዎ። ከምዚ ዓይነት ኣብ ሓደ ዘዕስል ትርጉም ብምምስሳልን መትከላዊ ዘይኮነ ሕድገታት ብምግባርን ዝመጽእ ኣይኮነን። ኣብ ዘይክማህ መትከላት ደው ዝበለን ንዝበዝሑ ሰብ ብርኪ ዘማእከለን ምስዝኸውን ጥራይ’ዩ ኣብ ሓባራዊ ምርድዳእ ከብጻሕ ዝኽእል። ሓባራዊ ምርድዳእ ተበጺሑ ማለት ከኣ መሪሕ ውዳበ ተፈጢሩ ኣሎ ማለት’ዩ።

ብጕሒል ጎቦ እንዳኸድካ መሪሕ ውዳበ ክፍጠር ዝከኣል ኣይኮነን። እዞም ብጉሒል ጎቦ እንዳኸድኩም ኣብ ኮረሻ ስልጣን ክተራጥጡ ትደልዩ፡ ተመዅሊኻ ኣብ ኮረሻ ስልታን ክትጸንሕ ምድላይን ክትድይብ ምድላይን ክልተ ገጽ ናይ ሓንቲ ሳንቲም ከምዝኾነ ዘኪርኩም ኣብ ልብኹም ተመለሱ።

ምስ’ቲ ክኸይድ ዝጸንሐን ዝኸይድ ዘሎን ዕብሎኻታት፣ ግብረ ራዕድን መናውራታትን፡ ህግደፍ ምእላይ እንታይ ማለት ሙዃኑ ዝተፈላለየ ትርጉም ክወሃቦ ንቡር’ዩ። ትርጉም ምእላይ ህግደፍ ብዓይኒ ስሩዓት ንጎኒ ገዲፍና፡ ብዓይኒ ደለይቲ ለውጢ እንታይ ከምስዝመስል ምርኣዩ ኣገዳሲ እዩ። ደለይቲ ለውጢ ክበሃል ከሎ ኣብ ዓድን ግዳምን ዘሎ ህዝብና ማለት ሙዃኑ ምዝካር የድሊ።ምእላይ ህግደፍ ብዓይኒ ደለይቲ ለውጢ ኣቕልል ኣቢልካ ምስ ዝርኣይ፡ ኣብ ክልተ ኣተረጓጕማ ክጠቓለል ይከኣል።

ብሓደ ወገን ምእላይ ህግደፍ ማለት መሪሕነት ኢሰያስን ጉጅልኡን ምስ ኩሉ ዘይሕጋዊ ማሓውራቱን ምእላይ ክኸውን ከሎ። እዚ ማለት ምእላይ በጻብዕቲ ዝቑጸሩ መስርሕቲ ክፋእ ኢሰያስ፣ ድሕሪ 2000 ዓ.ም. ንኢሰያስን እኪት ተግባራቱን  ከገልግሉ ተባሂሎም ዝተተለሙ ኣሰራርሓታትን ኣዋጃትን ከምኡውን ምእላይ ኣብ ዓፈና ዝተዋፈሩ ትካላትን ዘካተተ ክኸውን ከሎ።  

በቲ ኻልእ ወገን ምእላይ ህግደፍ ማለት ምእላይ ኩሎም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ሰብ መዚ፣ ኣመሓደርቲ፣ ኣዘዝቲ ሰራዊት፣ ምምሕዳራዊ ኣሰራርሓታትን ዳርጋ ኣብ ግብሪ ዘይውዕሉ መወከሲ ሰነዳትን ማለት የስምዕ። እዚ ማለት ንብሙሉኡ  ምምሕዳራዊ ትካልት፣ ባይቶታት፣ መሳርዕ ሰራዊትን ህልዋት መወከሲ ሰነዳትን ኣሊኻ ብሓድሽ ምትካእ ማለት’ዩ።

መሪሕ ውዳበ ክፍጠር ዘይተኻእለ እንበኣር ብሰንኪ ኣብ ዝርዝራት እዘን ክልተ ቀለልቲ ኣተረጓጕማታት ዘሎ ዘይቅርዑው መርገጺታት ደለይቲ ለውጢ ከምዝኾነ ብተደጋጋሚ ይስማዕ። ድሕሪ ለውጢ ብትካላውን ሕጋውን ኣሰራርሓ ክመሓየሹን ክትክኡን ዝግብኦምን ዘይግብኦምን መሚኻ ክትከይድ ምፍታን ነዊሕ ርሕቀት ከኽይድ ምኽኣለ ዝብል እምነት ኣሎ።

ኣብዚ ክርሳዕ ዘይብሉ ኢሰያስ ኣብ ስልጣን ተኾይጡ ነዚ ኩሉ እኪት ከግብሮ ዝኸኣለ ሃገራዊ ባይቶ ከይእከብ ከልኺሉ፣ ሃብቲ ሃገር ብሒቱን ናቱ መጋበርያ ዝኾኑ ኣብላት ድሕነት ክምልምል ዕድል ስለዝረኸበን ጥራይ እዩ። ናይ ምውሳንን ምትግባርን ስልጣን ብኢሰያስን ጉጅልኡን ፍጹም ከምዝተባሕተ ምኒስተር ነበር ኣቶ ብርሃነ ኣብረሀ ኣብ መጽሓፉ ብግሉጽ ኣስፊሩ ነቲ ብደገ ደገ ዝሕመ ዝነበረ ብዕሊ ንህዝቢ ኣፍሊጡ እዩ። ደልይቲ ለውጢ ጓል መንገዲ ገዲፎም ኢሰያስን ጉጅልኡን ብምእላይ ነባሪ ለውጢ ዝምጽኣሉ መንገዲ ኣብ ምንዳይ ከድህቡ ይምከር።

ኢሰያስን ጉጅልኡን ብጸቕጢ ብዓድን ግዳምን ዘለዉ ደለይቲ ለውጢ ናይ ምግባር ዓቅሞም ብምድኻምን ካብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት፣ ኣመሓደርቲ፣ ሓለፍትን ሰብ መዝን ብምንጻልን፡ ካብ ኮረሽ ስልጣን ከምዝእለዩ ክግበር ዘይከኣል ኣይኮነን። ከምዚ ክግበር እንተተኻኢሉ፡ ባይቶ ተኣኪቡ ንቡር ትካላውን ሕጋውን ኣሰራርሓ ናብ ዝነበሮ ከምዝምለስ ብምግባር፡ ምስ ግዜ ከኣ ብዘገምታ ናብ ህዝባዊ ምምሕዳራዊ ኣሰራርሓ ከእትው ዘኽእሉ ባብ ምርሓው ምተኻእለ።           

ንሰብ ብርኪ ሞጎታዊ ጭብጥታት ብምቅራብ ንኢሰያስን ጉጅልኡን ከምዝንጸሉን ናይ ምግባር ዓቅሞም ከምዝደክምን ምግባር ለውጢ ኣብ ምቅልጣፍ ወሳኒ ተራ ክጻወት ይኽእል። ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ብሰንኪ ምምሕዳራዊ ዓቅሙ እቶት ህዝብን ሃገርን ከበርኽ ዘይምኽል ኣይመበኣሰን። ዘባትኽ ኣብ ስልጣን ተኾይጡ ብክፋእን እኪትን ተባዒጡ ህዝብን ኣገርን ከድኪ ከይደቀሰ ዝሓድር ጉጅለ እኪት’ዩ። ከምዚ ዓይነት ጉጅለ እኪት ኣይሰለጦምን እንበር ንሃገን ህዝብን ይሓልዩ እዮም ክብል ዝኽእል ዘሎ ኣይመስለንን፡ ብፍላይ ድሕሪ ዕርቀ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን።

ኢሰያስን ጉጅልኡን ተስፍ ቆሪጾምሉ ኣብ ዘለዉ እዋናት ናይ ድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ ብንኣሽቱ ነገራት ዘየድሊ ምንቛትን ሕለፍያን  ከይፍጠር ካብ ሕጂ ጀሚሩ ኢሂን ምሂን ምብህሃል ኣዝዩ ጠቓሚ ከምዝኾነ ክጋዋሕ ኣለዎ። ሰበ ስልጣን፣ ኣዝዝቲ ሰራዊት፣ ኣመሓደርትን ሰብ መዝን ከድህብሎም ዝግባእ ከጋጥሙ ዝክእሉ ኣሰከፍቲ ነገራት ናብ ጋህዲ ብምውጻእ ብዕቱብ ክዝረበሎም ከምዝጅምር ምግባር ዕዙዝ ኣገዳስንት ኣለዎ።

እዚ ማለት ኣብ ደገ ግሉጽነትን ተሓታትነት ዘለዎ ፍሉይ ውዳበን ንኾንደኾን ዝኸውን መወከሲ ሰንዳት ኣይሃሉ ማለት ኣይኮነንን። እኳ ድኣ ከምዝህሉ ክግበር ኣለዎ። ግሉጽነትን ተሓታትነትን ዘለዎ ብህዝቢ ዝውነንን ዝምእዘንን ክኸውን ግን ይግባእ። ውክልና ዘይብልካ ክንስኻ ብሽም ህዝብን ሃገርን ንኽትመሻጠር ዝዕድም ከይከውን ምጥንቓቕ የድሊ። ንሰብ ብርኪ ሸለል ምባል ዋጋ ከምዘኽፍል ዘይምዝንጋዕ፡ ብፍላይ ኣብ ከምዚ ናትና ሕብረተሰብ። ብተወሳኺ ንህዝቢን ሃገርን ኤርትራ ዝምልከት መጽናዕታዊ ይኹን ህዝባዊ ዋዕላ ብቋንቋ ትግርኛ ወይ ካልእ ከከምኣገዳስነቱ መበቆላዊ ቋንቋ ክኸውን ይግባእ። ሃገራዊ ዋዕላ ብባዕዳዊ ቋንቋ ምክያድ ቀደም ኣይጠቐመና ብሕጂ’ውን ክጠቕመና ኢልካ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ኩላትና ከም እነስተወዕለሉ ብዛዕባ ኣገዳስነት መበቆላዊ ቋንቋ ካብ ዕውታት ኣህዛብ ዓለማና ምምሃር ከድልየና እዩ።

guest
0 Comments
ዝጸንሐ
እዋናዊ ዝያዳ ድምጺ ዝረኸበ