“ሓሚምካ ምስ ሓወኻ” ጥራይ ኢኻ፡ ትርጉም ጥዕና ኣጥዒኻ ትርድኦ። ጥዕናኻ፡ ተዂርካ ክትሕልው ድማ ትጅምር። ሕብረተሰብ እውን፡ ክጽልኦ ክጅምር እንከሎ ወይ ሕማም ምስ ሰረጾ፡ ንሕማሙ ፈውሲ ከናድየሉ ኣለዎ። ፈውሲ ንምንዳይ ድማ፡ ኣቐዲምካ ሕማምካ ክትፈልጥ ኣለካ። ሕማምካ ምፍላጥ ድማ፡ ዘሕውየካ ፈውሲ ክተናድይ ይሕግዘካ።
ሎሚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብውሽጣዊ ሕማም ይሳቐይ ኣሎ። ብሰንኪ እዚ ሕማም ድማ፡ ኣብ ክትኣምኖ ዘጸግም ሃለዋት ወዲቑ ይርከብ። እቲ ቀንዲ መበገሲ ናይዚ ስቓይ ድማ፡ ትካላዊ ውክልንኡ ብሰፊሑ ስለ ዝዓነወ እዩ። ካብቲ ዝነኣሰ ውክልና፡ ክሳብ እቶም ዝዓበዩ ዝበሃሉ ምንጪ ውክልናታቱ እዮም ዓንዮም። ካብ ስድራቤት ጀሚርካ ክሳብ ማሕበራዊ፣ እምነታውን ምምሕዳራውን ውክልናታቱ፡ ሎሚ የለውን።
እዚ፡ ብርሰት ትካላዊ ውክልና ብሓንሳብ ዝተፈጸመ ዘይኰነስ፡ ኣብ ዝተናውሐ እዋን፡ ብዘገምታን ብዝተወደበ መንገድን እዩ፡ ኣብዚ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ በጺሑ። እዚ ድማ፡ ደበና ፍርሕን ዘይምርግጋኣን ፈጥርካ፡ ህዝቢ ኣታሊልካ፡ ዝተኻየደ ተግባር ስለዝዀነ፡ ንምፍዋሱ ዘጸግም ኣይኰነን።
ብተወሳኺ፡ ኣጉል ስቕታ ህዝብን ዓበይቲ ዓድን እውን ኣብ ምግዳድ እዚ ኩነታት ዘይነዓቕ ተራ እዩ ተጻዊቱ። ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን፡ ብትብዓት፡ ዘይምዝራብን ሓላፍነት ዘይምውሳድን፡ ከቢድ ሳዕቤን እዩ ኣውሪዱ። ብሰንኪ እዚ፡ ትካላት ውክልና እንዳተዳኸማ ከይደን። ሕብረተሰብ ድማ መሰረታዊ ማሕበራዊ መሓውራቱ እንዳሰኣነ መጺኡ።
ኣብዚ ክፍለጥ ዘእልዎ፡ ብሰንኪ ብረሰት ትካላት ውክላናታቱ ዝሰዓቡ ሃስያታት ዝያዳ ኣሰከፍቲ ምዃኖም እዩ። ብፍላይ፡ ዋሕዚ ስደትን፡ ህመት ባህልን፡ እቶም ጐሊሖም ዝጥመቱ ሃስያታት እዮም።
ኣብዚ እዋን እዚ፡ ዝበዝሑ ትካላት ውክልና ህዝቢ ኤርትራ ክሓቁ ከለው፡ ሒደት ድማ ማህሚኖም ስም ጥራይ እዮም ሒዞም ተሪፎም ዘለዉ።
ካብ ኩሎም ትካላት ውክልና፡ ስድራቤት እታ ቀዳመይቲ እያ። ስድራቤት፡ ተረካቢ ወለዶ ኣብ ምህናጽን ምኹስኳስን ዘይትካእ ተራ እያ ትጻወት። ይኹን ደኣ እምበር፡ ሎሚ ብዙሓት ስድራቤታት፡ ኣብ ምውሳን መጻኢ ዕድል ኣባላተን፡ ተረአን ክጻወታ ኣብ ዝይክእላሉ ደረጃ እየን በጺሐን።
ወለዲ እንተዀኑ፡ ንደቆም ብመሰረት እምነቶምን ክብርታቶምን፡ ናይ ምኹስኳስን ምሕብሓብን መሰሎም ካብ ዝሕደጉ ነዊሕ እዩ ኰይኑ ዘሎ። እዚ ከምዚ ኢሉ ብምቕጻሉ ድማ፡ ሎሚ ንሕብረተሰብ ኣብ ምብትታን ደረጃ ኣብጺሕዎ ይርከብ።
እቲ ቀንዲ ግዳይ ናይ እዚ ከምዚ ዓይነት ምብትታን ስድራቤታት፡ እቲ መንእሰይ ወሎዶ እዩ። ብዙሓት መንእሰያት ካብ ቐጻሊ ምኽርን ክትትልን ወለዶም ስለ ዝርሕቍ፡ ተስፋ ቆሪጾም፡ ብቐሊሉ እዮም ኣንፈቶም ከጥፍኡ ጸኒሖምን፡ ዘለውን። ብሰንኪ እዚ ድማ፡ ኣደዳ ስደትን መከራን ኰይኖም ዝተረፉ ማእልያ የብሎም።
ከምኡ ውን፡ ስድራቤታት ዝውከልሉን ዝተኣሳሰሩሉን፡ ማሕበራዊ ትካላትን ቤተ እምነታትን ከይተርፉ እዮም፡ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ለሚሶም ተሪፎም ዘለው። እዚ፡ ንልምሰት ማሕበራውን ቤተ እመነታትን ዝምልከት፡ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ስለ ዝተዘርበሉ፡ ኣብዚ ብዝርዝር ምድጋሙ ኣድላዪ ኣይኮነን። ምድካም ናይ እዚኦም ትካላት እዚኦም፡ ሕብረተሰብን ሃገርን ኣዳኺሙ፡ ናብ ፍጹም ውድቀት የምርሕ ምህላዉ ግን፡ ክርሳዕ የብሉን።
ብተመሳሳሊ፡ ምምሕዳራዊ ትካላትን ባይቶታትን እንተዀኑ እውን፡ መላሲ ኣውያት ዘይብሎም እዮም ቅሂሞም ተሪፎም። ምሕዳራዊ ትካልትን ባይቶታን፡ ብቐደሙ ጽኑዕ ሱር ዝሰደዱ ትክላት ኣይነበሩን። ብተዛማዲ ክረኣዩ ከልው እውን፡ ብርሰቶም፡ ምስቶም ካብ ሱሮም ዝተባሕጐጉ ስድራቤታዊ፣ ማሕበራውን እምነታውን ትክላት ዝወዳደር ኣይዀነን።
ምኽንያቱ፡ እዞም ድሒሮም ዝተጠቐሱ ትካላት ውክልና፡ መሰረቶም ዝነቕነቐ ድርብ ኣደራዕ እዩ ወሪድዎም። ብላዕሊ፡ ምምሕዳራዊ ውክልንኦም ስኢኖም። ብታሕቲ፡ ተወከልቶም ተበታቲኖሞም።
ካብዚ ንመሃሮ ነገር እንተሃልዩ፡ ትካላት ውክልና እምነ ኩርናዕ ሓደ ሕበረተስብ ምዃኖም እዩ። ድልዱላት ትካላት ውክልና ዝውንን ሕብረተሰብ፡ ንባህርያዋውን ሰብ ዝፈጥሮምን ጸገማት ምብዳህ ኣይጽገምን እዩ። ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ እውን እንተኰነ፡ ነዚ እዩ ዝምህረና።
ኣብ ግዜ ቃልሲ ንናጽነት፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሓባር ክቃለስን መስዋእቲ ክኸፍልን ዝኸኣለ፡ ብደረጃ ስድራቤት፣ ዓዲ፣ ቤተ እምነትን ካልኦት ማሕበራዊ ትካላትን ዝተሃንጸ፡ ሓያል መርበብ ትካላዊ ውክልና ስለ ዝነበሮ እዩ።
እቲ ጉልበትን ሓይልን ዝነበሮ መንእሰይ፡ ብናይ ስድራቤቱን ሕብረተሰቡን ምትብባዕን ምሕብሐባን፡ ካብ ጉልበቱ ክሳብ ሂወቱ ብምኽፋል ኣበርክቶ ንናጽነት ገይሩ። እቶም ብኣካል ክሳተፉ ዘይከኣሉ ድማ፣ ብገንዘብ፣ ብንዋት፣ ፍናናዊ ደገፍ ብምግባርን፡ ድምጾም ብምስማዕን፡ እጃሞም ገይሮም። ወለዲ፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ብወገኖም መንፈሳውን ሕልናውን ምትብባዕ ብምግባር፡ ኣብቲ ቃልሲ ግደኦም ተዋጻዊም እዮም።
እዚ ታሪኻዊ ተመክሮ ዘርእየና ነገር እንትሃልዩ፡ ሕብረተሰብ ንዓበይቲ ህዝባዊ ዕላማታት ከዕውት ዝኽእል፡ ድልዱልን ርትዓውን ትካላት ውክልና ምስ ዝህልዉዎ ጥራይ እዩ። ስለዚ፡ ምሕዋይ እዞም ትካላት ውክልና እዚኣቶም፡ ንሕውየታት ሕብረተሰብን እምነቱን፡ ምህናጽ ምምሕዳራዊ ዓቕምታቱን መጻኢ ዕድሉን፡ ወሰንቲ ቅድመ ኩነታት እዮም።
ሕጂ እውን እንተዀነ፡ ነዚኦም ገጢሙና ዘለው ሕብረተሰባውን ምምሕዳራውን ፍሽለታት ክንብድሆምን ክንልውጦምን እንተዳኣ ኰይና፡ ኣቐዲምና ነዞም ትካላት ውክልና ብርትዓዊ መንገዲ ዳግም ክንሃንጾምን፡ ኣንፈት ክነትሕዞምን፡ ይግበኣና።
ምምሕዳራዊ ፍሽለት እቲ ስርዓት ባዕሉ ዝፈጠሮ ጸገም ዝለዝዀነ፡ ነቲ ስርዓት ብምቕያር ጥራይ እዩ ክፈውስ ዝኽእል። ስርዓት ምቕያር ክበሃል ከሎ ግን፡ መሰረታዊ መንቀሊ እቲ ፍሽለት ከይፈወስካ፡ ሓደ ስርዓት ብካልእ ስርዓት ምትካእ ማለት ኣይኮነን። እንታይ ደኣ፧ ሕብረተሰባዊ ፍሽለት ፈዊስካ ዝዕመም፡ ገዚፍ ህዝባዊ ዋኒን እዩ።
ሓቂ እዩ፡ ብሰንኪ ኣብ ዝተፈላልዩ እዋናት ዘጋጥምዎ ዝንበሩ ሕብረተሰባዊ ፍሽለታት፡ ህዝቢ ኤርትራ ንዝተናውሐ እዋን ግዳይ ዝተፈላለዩ ሕብረተሰባዊ ምምቕቓላት ኰይኑ እዩ ጸኒሑን፡ ኣሎን ። ታሪኻዊ ኣመዓባብላ እዚኦም ምምቕቓላት ንጐድኒ ገዲፍና፡ ኣብቲ መግለጺኦም ክነድህብ ኢና። እቶም ቀዳሞት ክልተ ብኣጋንኖ ዝጥቀሱ፡ ከባብያዊ ስምዒታትን እምነትን መንቀሊኦም ምምቕቓላት ክዀኑ ከለው። ብሳልሳይ ደረጃ ዝጥቀስ ድማ፡ ብሄር መንቀሊኡ ምምቕቓል እዮ።
ገዛእቲ ሓይልታት ከይተረፉ፡ ነዚ ድኹም ጐድኒ ህዝቢ ኤርትራ መዝሚዞም፡ ኣብ ብዙሕ ፈተነታት የእትዮሞ እዮም። እዚኦም ምምቕቓላት እዚኦም ሕጂ እውን እንተዀነ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ግዳይ ምልክን ኣደዳ ስደትን ንኽኸውን ዳሪጎሞ ዘለው ተኣፈፍቲ ነቀዓት እዮም።
ካብ እዚኦም ምምቓላት፡ እቲ ቀንድን ፈታንን፡ እንዳሳዕረረ ዝኸይድ ዘሎን ግን ብከባብያዊ ስምዒታት ዝተተብተበ ምምቕቓል እዩ። እዚ፡ ብሰንኪ ምምሕዳራዊ ፍሽለት ዝሰዓበ ኣሰንባድን ዘሕፍርን ሕብረተሰባዊ ፍሽለት ክኸውን ከሎ። እምነትን ብሄርን መንቀሊኦም ምምቕቓላት ግን፡ ዛጊት ኣብ ዘሰክፍ ደረጃ ዝበጽሑን፡ ሕብረተሰብ ብምፍሻል ዝኽሰሱን ኣይኰኑን።
ሽግር ህዝብናን ሃገራናን ኣብ ምፍታሕ አእጃምና ከይነበርክት ኣሲሮም ሒዞምና ካብ ዘለው ፍሽለታት እቲ ቀንዲ፡ ብከባብያዊ ስምዒታት ተላዕጢጡ ዘሎ ሕብረተሰባዊ ፍሽለት እዩ። እዚ ብዘይ ወዓል ሕደር ክፍታሕ ኣለዎ። ኣብዚ፡ እንተን ቀዳሞት በዚ ፍሽለት እዚ ተሓተቲ ከባቢታት ሓማሴን፡ ሰራየ፡ ኣከለግዛይ እየን።
እዚ፡ ብሰንኪ ውሑዳት ተወልድቲ እዚአን ከባቢታት ዝተፈጠረ ፍሽለት ስለዝዀነ፡ ነዚ ዘሕፍር ውሁብ ከነታትና ኣጻብዕትና ከየወጣወጥና ንምፍትሑ ጥራይ ክንተግህን ክንዓይይን ይግባእ። ተወለድቲ እዚአን ከባቢታት፡ ዕትብ ኢሎም፡ ነቲ ፍልልያት ብዘጽብብ ኣገባብ፡ ርትዓዊ ውክልና ዝነግሰሉ ሃዋህው ክፈጥሩ ኣለዎም። ነቲ ዝእመም መስርሕ ርትዓዊ ውክልና፡ ተማእዘዝቲ ክዀኑ ድማ ይግባእ።
ነዚ ዕውት ኣብ ምግባር፡ ትካላት ውክልና ዕዙዝ ተራ እዩ ዘለዎም። ከም ቅድመ ኩነት ናይዚ፡ ዓንዮም ዘለዉ ትካላት ውክልና ዳግም ክህነጹ ኣለዎም። ምህናጾም ንገዛእ ርእሱ ቀሊል ዕማም ኣይዀነን። ገዛኢ ሕጊ የድልዮ። ርትዓውን ሓቛፍን ሽንሸና ውክልና ዘሳሲ ክኸውን ይግባእ። ንማሕበራዊ ትካላት፣ ትካላት እምነትን ምንቅስቓሳት ለውጥን ከይተረፈ ዝምልከት ክኸውን ኣለዎ። ኣብ ውሽጢ ዓድን ደገን ዘለዉ ኩሎም ትካላት ውክልና ብማዕረ ተሓተቲ ዝገብር ክኸውን ይግባእ።
ርትዓዊ ውክልና ክነግስ እንተዀይኑ፡ ይዕበያ ይንኣሳ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ወኪለን ዝቖማ ትካላት ውክልና ኣብ ውሽጣዊ መመሓደሪ ዓንደን፡ ንርትዓዊ ውክልና ዝጠቅስ ዓንቀጽ ክህልወን ይግባእ። ዓንቀጽ ምህላው ጥራይ ዘይኰነ፡ ብተግባር ዝተሰነየ ክኸውንን ክረጋገጽን ይግባእ። ንተግባራውነት እዚ እማመ፡ ኣባላት እተን ትካላት ዕዙዝ ተራ ኣለዎም።
ኣብዚ፡ ኩሉ መዐቀኒታትን መዐየሪታትን ርትዓዊ ውክልና ንጐድኒ ገዲፍና፡ ምስ ኩነታትናን ዑምቀት ጸገምናን ዝኸይድ ትርጉም ርትዓዊ ውክልና ክህልወና ድማ ይግባእ። ትርጉም ርትዓዊ ውክልና ንዓና፡ ማዕረ ቁጽሪ ወከልቲ ምህላው ማለት ኽኸውን ይግባእ።
በዚ መሰረት፡ እዘን ሰለስተ ከባቢታት ነፍሲ ወከፈን ማዕረ ውክልና ምስ ዝህልወን ጥራይ ርትዓዊ ውክልና ክረጋገጽ። ዝቖሙ ሽማገለታት ይኹኑ ሓይሊ ዕማማት፡ ማዕረ ቁጽሪ ካብ ነፍሲ ወከፍ ከባቢ ዝሓቖፈ ይኸውን። ጽፍሕታት ብርትዓዊ ኣገባብ ክመቓራሕ። ነዚ ምቕርሐ ዝቆጻጸር ብርትዓዊ ውክልና ዝቖመ ሽማገለ ክህሉ። ብርትዓዊ ውክልና ዝቖመ ቀዋሚ ተቖጻጻሪ ሽማገለ ክህሉ።
ኣብዚ ዝለዓል ተወሳኺ መጐተ ኣሎ። ንሱ ድማ፡ ህላወ ዘይሚዛናዊ ቁጽሪ ኣባላት እዩ። መበገሲ እዚ ዘይሚዛናዊ ቁጽሪ ኣባልነት፡ ብቀንዱ እቲ ሕብረተሰባዊ ፍሽለት ዘስዓቦ ምዝንባዕ ዝለዝዀነ፡ ከም ኣካል መስርሕ እቲ ሕውየት ክውሰድ ኣለዎ።
ዘይሚዛናዊ ቁጽሪ ኣብላት ናይ ምፍታሕ ሓላፍነት፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ትካል ውክልና ዝወድቕ ይኸውን። ኣብዚ ድማ እዩ ዘሎ እቲ ቀንዲ ስራሕ። ነዚ ዘማልእ ትካል ውክልና ጥራሕ እዩ፡ ሃለዋት ህዝቢ ኤርትራ ዘሕምሞን። ጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ እንግድዑ ተሰኪሙ ክጓዐዝ ዝኽእልን። ነዚ እማመ ርትዓዊ ውክልና ዘየተግብር ትካል ውክልና ብህዝቢ ተሓታቲ ይኸውን።
ከምዚ ዓይነት ርትዓዊ ውክልና ምግባር፡ ኣብ መንፈስን ፍናን ህዝቢ ኤርትራ ዝህልዎ ጽልዋ ዓቢ ምኳኑ ምርድኡ ዘጸግም ኣይኰነን። ኣብ መንጐ እዘን ሰለስተ ከባቢታት ዘሎ ዘየድሊ ምትፍናን እውን ዘጉድል ስለዝዀ ብዕቱብ ክሰረሓሉ ይግባእ። ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃማኖታትትን ነዚ ጉዳይ ኣንፈት ኣብ ምትሓዝ ግደኹም ክትገብሩ በዚ ኣጋጣሚ አዘኻኽር።
ኣብዚ ከይተጠቐሰ ክሓልፍ ዘይግብኦ ንትካላት ውክልና ህዝቢ ኤርትራ ዝምልከት እወታዊ ኣብነት ኣሎ፡፣ ንሰ ድማ፡ ንኣብ ኣፍሪቃ ዝነብሩ ኤርትራውያን ኣውፈርትቲ፡ ተወፋሮን ነበርትን ዝምልከት እዩ። ንሳቶም፡ በዚ ተጠቒሱ ዘሎ ሕብረተሰባዊ ፍሽለት ዝኽሰሱ ኣይኰኑን። ነቲ ዝነበረ ማሕበራዊ ምትእምማንን ምትእስሳርን ዐቒቦም፡ ኣብነት ሓቢርካ ምስራሕን ምዕባይን ዝለዝዀኑ፡ በዚ ኣጋጣሚ ክምስገኑ ይግባእ።
እዚ እማመ፡ ንርታዓዊ ውክልና ናይ እተን ካልኦት ከባቢታት ኤርትራ ከም ውሁብ ወሲዱ ዝተኣመመ ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ። ጉዳይ እመነታት እውን እንተዀነ፡ ኣብ ውሽጢ ነፍሲ ወከፍ ከባቢ ብርትዓዊ ምቕርሒትን ድልድልን ዝሳሰ ይኸውን። ብተመሳሳሊ፡ ውልክና ደቂ ኣንስትዮ እውን ብርትዓዊ ድልድል ዝሳሰ ይኸውን።
ከምዚ ገይርና፡ ኣብ ክቢ ዙርያ ጣውላ ኮፍ ኢልና ብዛዕባ ገጢሞምና ዘለዉ ብድሆታት ክንላዘብ ክንጅምር ኣለና። ሕቶ ርትዓዊ ውክልና ከይፈታሕና፡ ምስሊ ኤርትራ ከይወከልና ኣብ ንበጽሖ ከምዘየለ ተረዲእና፡ እጅገና ንሰብስብ፡ ብግብሪ ትካላት ውክልና ንህነጽ። ሓላፍነትውያን ንኹን።
ንብሎን ንህንጠዮን ኣብ ቤትና ንጀምሮ።
ሃየ ኣባይትና ነነባብር።
መስፍን ገብረገርጊስ
ትርጉም፡
ርትዓዊ ውክልና – ምህላው ማዕረ ቁጽሪ ወከልቲ
ርትዓዊ ምቕርሐ – ምህላው ሚዛናዊ ቁጽሪ ወከልቲ
ርትዓዊ ድልድል – ምህላው ማዕረ ቁጽሪ ሕዙእ መናብር ወከልቲ
